Home ዜና ጄኖሳይድ ትግራይ እንትንዝክር ሕሉፍ ፅንተት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ እውን ኣብ ሰላሕታዊ ፅንተት...

ጄኖሳይድ ትግራይ እንትንዝክር ሕሉፍ ፅንተት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕዚ እውን ኣብ ሰላሕታዊ ፅንተት ከምዘለና ንምዝኽኻር እዩ – ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ

69

መቐለ፥ 17 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ዝኽሪ 4ይ ዓመት ጄኖሳይድ ትግራይ ሕሉፍ ፅንተት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሕዚ እውን ኣብ ሰላሕታዊ ፅንተት ከም ዘለና ንምዝኽኻር እዩ ኢሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ኣይተ የማነ ዘርኣይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ዝኽሪ ጄኖሳይድ ትግራይ ንምጅማር ፅንተታዊ ኲናት ትግራይን ጨፍጫፍ ማይ ካድራን ብምዝካር ከም ዝተኻየደ ሓቢሮም።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት መድረኽ ዝኽሪ ጄኖሳይድ ትግራይ ብምድላው ከም ዝካየድ ገሊፆም።

ሕዳር 19 ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ዓዲግራትን፣ ሕዳር 20 ኣብ ከተማ ሽረ፣ ሕዳር 21 ኣብ ከተማ ማይ ጨው፣ ሕዳር 22 ኣብ ከተማ መቐለ መድረኻት ዝኽሪ ጄኖሳይድ ትግራይ ከም ዝሳለጡ ሓቢሮም።

እዞም መድረኻት ግዳያት ጄኖሳይድ ትግራይ ንምዝካር፣ ስድራኦም ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘለዉ ንምፍላጥን ህዝብና ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ሰላሕታዊ ፅንት ከመይ ይወፅእ ዝብሉ ዛዕባታት ንዝትየሉ እዩ ዝበሉ እንትኾን፣ “ንኽብሪ ሂወትን ምርግጋፅ ፍትሕን” ብዝብል ቴማ ከም ዝካየዱ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን ዝበፅሐና ጄኖሳይድ ዓለም ክፈልጦን ከም ዘይረሳዕናዮን ንምዝኽኻር ዝካየድ ዝኽሪ እዩ ኢሎም።

ከም ኮሚሽን ብዓቕምና ብርክት ዝበሉ መረዳእታታት ዋላ እንተኣከብና፣ ምስቲ ዝበፅሐና ጕድኣት ግን ዝነፃፀር ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ የማነ፣ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ምስክር ዓይኒ እቲ ዝበፅሐና ጄኖሳይድ ኮይኑ ደው ክብል ይግባእ ኢሎም።

ባዕልኻ ረሲዕኻ ዓለም ዘይዘከረትኒ ምባል ስለ ዘይከኣል፣ ሙዝየማት ብምስራሕ ዝበፅሐና ፅንተት ከይርሳዕ ከይድገም ክንገብር ኣለና ኢሎም።

ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን ዓለም ክትፈልጠናን ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ኣይተ የማነ።

ኣብቶም ዝካየዱ መድረኻት ስድራ ግዳያት፣ ኣካላት መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኵሉ ዝምልከቶ ኣካልን ክሳተፍን ሓሳብን ርኢቶን ክህብን ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ሚድያን ዲያስፖራን ድማ ነዚ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።

#ህሊና_ኣርኣያ