Home ዜና ጅማሮ ውዕል ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ንሓደጋ ሓረስቶትን ዝራእቶምን ቅልጡፍ ምላሽ ክህባሉ ይግባእ...

ጅማሮ ውዕል ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ንሓደጋ ሓረስቶትን ዝራእቶምን ቅልጡፍ ምላሽ ክህባሉ ይግባእ ክብል ቢሮ ሕርሻን ገፀርን ልምዓትን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

655
0

ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ እኽብካብ ሓይልታት ወረርቲ ብወታሃደራዊ ሕጊ ዘይፍቀድ ውግእ የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ፡፡ ብፍላይ ኣብ መንበሪ ሓረስቶትን ዝራእቶምን ድፋዕ ገይሮም ይትኩሱ ኣለዉ፡፡

ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓረስቶት ንሞት ክቃለዑ ክፈናቐሉን ዝራእቶም እውን ይባራዕ ከምዘሎ ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ገፀር ልምዓትን ትግራይ ሓላፊ ጉጅለ ልምዓት ዝራእቲ ኣይተ ሃይለ ኣባይ ገሊፆም፡፡

ጀኖሳይድ ትግራይ ካብ ዝጅመር መሰረተ ልምዓት ተዓፅዮም እዮም ዝበሉ ኣይተ ሃይለ በዚ ድማ ኪኢላታት ሕርሻ ደገፍን ክትትልን ከካይዱ ከምዘይከኣሉን ብክልከላ መሃያ እውን ንጥምየት ከምዝተቃልዑ ኣዘኻኺሮም፡፡ ምህርቲ ዓመተ 2014 /15 ዓ/ም ንምድንፋዕ ዘኽእሉ እታዎታት ሕርሻ ንሓረስታይ ትግራይ ከምዘይተባፅሑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሃይለ ነቲ ዝርካቡ ዝራእቲ ንምዕፃድ ከምዘይተኽኣለን ገሊፆም፡፡ 

ምእንቲ እዚ ሓይልታት ወረርቲ ካብ መሬት ትግራይ ተዘይወፂኦም ኣብ ልዕሊ ሓረስቶትን ዝራእቶምን ሓደጋ ክጋደድ ከምዝኽእል ተረዲኡ ጅማሮ ውዕል ሰላም ትግራይን ኢትዮጵያን ህፁፅ ምላሽ ክህበሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous article“ሰላም ማለት ድምፂ ጥይት ዘይምስማዕ ወይ ውግእ ዘይምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሕን ርትዕን ምውሓስ ማለት እዩ” ኣባ ጥዑም በርሀ
Next articleምርኻብ ዝተጣፍኡ ስድራ