——–
ዩ ኤን ኦ ፒ ኤስ (UNOPS) ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ዙርያ መስረተ ልምዓት ማይ መፅናዕቲ ኣካይዱ ።እቲ ዘካየዶ መፅናዕቲ ምስ ኣብ ዙርያ መሰረተ ልምዓት ማይ ዝሰርሑ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ ትግራይን ብምኻን ገምጊሙ ።
መቐለ፥ 2 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ዩ ኤን ኦ ፒ ኤስ (UNOPS) ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ትግራይ ኣብ ዙርያ ማይን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ትኹረት ገይሩ ምስ ዝተፈላለዩ መድረግቲ ኣካላት ገምጋም ዓውደ መፅናዕቲ ኣካይዱ።
ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ቅድመ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ማይ ኣድሂቡ ገምጋም ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ፕላንን ዲዛይን ብሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ቀሪቡ ዘተ ተገይሩሉ።
ቀንዲ ትኹረት እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብቲ ብሰንኪ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዝበፅሐ ዕንወት ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ፣ ዳግመ ህንፀትን ቀፃልነቱን ምዃኑ ኣብ ዩ ኤን ኦ ፒ ኤስ በዓል ሞያ መሃንዲስ ማይ እንጂነር ሃፍቶም ኣለም ኣረዲኦም።
ኣብ ቢሮ ማይን መዓድንን ዳይሬክተር ቀረብ መስተ ማይ እንጅነር ታጠረ ሓዱሽ ከምዝበልዎ፡ እቲ ኣብ ማይን ዝርገሐ መሰረት ልምዓትን ትኹረት ዝገበረ ፕሮጀክት ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እጃሙ ዘበርክት እዩ ኢሎም። እዚ ድማ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ሓቢሮም።
እቲ ዝተሳለጠ ገምጋም ዓውደ መፅናዕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ዩ ኤን ኦ ፒ ኤስ(UNOPS) ምስ ቢሮ ሃፍቲ ማይን መዓድንን ትግራይ፣ ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ክትትልን ስራሕቲ ማይ ትግራይ፣ ኢንተርፕራይዝ ኮንስትራክሽን ማይ ትግራይ፣ ቢሮ ህፁፅ ምላሽን ቅድመ ድልውነትንን ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዋ ዩኒቨርሲታትን ብምትሕብባር እዩ።