ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ዳሞ ኣብ ዞባ ምብራቅ ወረዳ ጉለመኸዳ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም እዩ።
ኣብ 537 ዓ/ም ብሃፀይ ገብረ መሰቀል ዝተሃነፀ ብብርኪ ኢ/ያ ፈላማይ ገዳም እዩ።
እዚ ገዳም ካብ ሰሜን ምዕራብ ናብ ደቡብ ምብራቅ 1000 ሜትር ዝዝርጋሕ ስፍሓት ኣለዎ። ብገደላት ዝተኸበበን 15 ሜትር ንውሓት ኣብ ዘለዎ ጎቦ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ዝተደኮነን ጥንታዊን ታሪካውን ገዳም እውን እዩ።
ገዳም ኣቡነ-ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ ኣብ ህንፀቱ
180 ጠቢባን ዝተሳተፍሉ ምስ ጥንታዊ ሰልጣነ ኣክሱም ዝመሳሰል ስነ- ህንፃ ዘለዎ እዩ ። ነቲ ገዳም ንምሰራሕ ዝተጠቀምሉ ድልድል ክፈርሰ ፃዲቅ ኣውነ ኣረጋዊ “ዳህምሞ /ኣፍርሶ/ ” ብዝበልዎ ሰያመ እዩ ደብረ-ዳሞ ተባሂሉ ይብሉ ሊቃውንቲ እቲ ገዳም። በዚ እውን ናብቲ ገዳም ዘውፅእ መንገዲ የብሉን።
ኣብ ዝባን ገዳም ደብረ ዳሞ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናን ዘለዉ ኮይኖም ብኣኽሱማዊ ኪነ ህንፃ ዝተሃነፁ እዮም።ዝተፀረቡ ዕንፀይትን መንደቕን ብምጥቃም ዝተሃነፁ ኮይኖም ብተለምዶ ሳንድች እናተብሃለ ብዝፅዋዕ ኣኽሱማዊ ኪነ ህንፃ ዝማዕረጉ እዩም።
ኣብቲ ገዳም ካብ ዘለው ሓድግታት 12 ወርቂ መሳቅል፣ ብወርቅን ብርን ዝተሰርሑ ቅዱሳን መፃሕፍቲ፣ ናይ ሃወርያት ጳውሎስ ታሪኽ ዝገልፅ መፅሓፍን ካልኦትን ምግላፅ ይከኣል።
ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ ልዕሊ 150 መልግባት ኣለው። እዞም መልግባት ሰብ ስራሕ ዘይኮኑስ ምስቲ ገዳም ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም።
ኣብ ዝባን ገዳም ደብረ ዳሞ 44 ቃላያት ከምዘለውን ኣገልገልቲን ኣመንቲን እቲ ገዳም ንኩለ መዳይ ኣገልግሎት ከምዝጥቀምሎም እውን ሊቃውንቲ እቲ ገዳም የረድኡ ።
ደቂ ኣንስትዮ እንስሳ ኮነ ሰብ ናብቲ ገደም ምድያብ ዘይፍቀደሉ ምኽንያት ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ይብሉ ኣመንትን መነኮሳትን እቲ ገዳም ።
ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ገዳም ዝግልገላሉ ቤተክርስትያን እንዳኪዳነ ምህረት ኣሎ።
ናብቲ ገዳም ዝደየቡ ኣመንቲ ኣብቲ ገዳም ዘይደየቡ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ገዳም ሃይማኖታዊ ስነስርዓቶም የሳልጡ ። ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ እውን ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ይወሃብ።
ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ መደየቢኡ ንሰሜን ዝጥምት ኮይኑ ገሊኡ ተኣሲሩ ገሊኡ ድማ ከከም ዓቕሙ ባዕሉ ይድይብ ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሓብሊ ድማ መዕረፊ ኣሎ።
ኣብዚ ገዳም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝረኽቡን ነቲ ገዳም ዘገልግሉን መነኮሳት ባዕልቶም ሰሪሖም ይምገቡ ንካልኦት ኣጋይሽን ውን ምግቢ የዳልው ።
ዝተፋላለዩ ስራሕቲ እቲ ገዳም እውን በቶም መነኮሳት እዩ ዝፍፀም ። ኣብቲ ገዳም ፅቡቅ ባህሊ ስራሕ ኣሎ ። ኣብዚ ገዳም ብደቂ ኣነስትዮ ዝውገን ስራሕ የለን ። ደቂ ኣነስትዮ ዝኽእላኦ ተባሂሉ ዝሕሰብ ምብሳል ምግቢ ሓዊሱ ብደቂ ተባዕትዮ ይውገን።
ገዳም ደብረ ዳሞ ካብ ከተማ ዓዲግራት ብክልተ ሸነኽ መንገዲ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ሓደ ካብ ከተማ ዓድግራት ብቀርሰበር ኣቢሉ ከተማ ፋፂ ከይበፃሕኻ ነዛ ከተማ ንኣንፈት ምብራቅ ኣቢሉ ን ደብረ ዳሞ ዝወስድ እዩ። እቲ ካልኣይ መንገዲ ድማ ብከተማ ብዘት ኣቢሉ ብመስመር ዓድግራት- ዓድዋ ንደብረ ዳም ዝወስድ እዩ። እቲ ብቀርሰበር ኣቢሉ ዝወስድ መንገዲ ፀፀር እንትኾን እቲ ብብዘት ኣቢሉ ንዳሞ ደብረደሞ ዝወሰድ 11 ኪሎሜትር ክሳብ ምግላስ ዳሞ ዝባሃል ቦታ ስፋልት ዝተረፈ ከባቢ 5 ኪሎሜትር መንገዲ ፀፀር እዩ።
ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ_ደብረ_ዳሞ ብዝተፋላለዩ ሃይማኖታዊ ምድላዋት በቢዓመቱ 14 ጥቅምቲ ይኽበር ።ሎሚዓመት እውን ኣመንቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ኣኽቢሮምዎ።
እቶም ኣመንቲ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ፅንተታዊ ኩናት ኣብቲ ገዳም እውን ተመሳሳሊ ፀገም በፂሑ ይብሉ።ኣብዚ ዓመት ግን ተነፃፃሪ ሰላም ስለዘሎ ካብ ዝሓለፈ ብዝሐሸ ኣገባብ ከምዘኽበርዎ ተዛሪቦም።
እዚ ገዳም ብኹሉ መዳይ ምዕሩግን ሰሓብን ኮይኑ በቲ ዝግበኦ መጠን ዘይተላለየን ንመስሕብ ቱሪዝም ዘይዋዓለን ብምዃኑ ብኣግባቡ ብምልላይ ኣብ ቱሪዝም ትግራይ ዝለዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ ምግባር ናይ ኩላትና ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ።
ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ መስሕብ በፃሕቲን ፍልፍል እቶት ንምግባር ኩሉ ክራባረብ ይግባእ ድማ ይብሉ ኣመንትን መገልገልቲ እቲ ገዳምን።
ኣብዚ ዓመት ዝተኸበረ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ ካብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ኢትዮጵያ ብዝመፁ ኣመንቲ ዝማዕረገ ኮይኑ ወፃእተኛታት ግን ከምቲ ቅድሚ 4 ዓመት ብበዝሒ ዝጉብንዩዎ ኣይነበረን ።
#ብሰለሙን_በርሀ