ጉድኣት ኣካል ከየካተትኻ ዝሳለጡ ስራሕቲ ፀገም ጉድኣት ኣካል ኣብ ምቅላል ዝሕግዙ ኣይኮነን ኢሉ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ።
ንጉዱኣት መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ብዘይምስረሖም ጉዱኣት ኣካል ንዝተፈላለዮ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ይቃልዑ ከምዘለውን ጉድኣት ኣካል ዘካተቱ ስራሕቲ ንክውገኑን ዝዓለመ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ ።
እቲ ዘተ ኣብ መሰልን ተጠቃምነት ጉድኣት ኣካል ትኹረት ጌሩ ዝሰርሕ ኒው ሆራይዘን ዝተብሃለ ትካል ምስ ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጽያ ብምትሕብባር ምስ መድረግቲ ኣካል ኣብ ዙርያ ተጠቃምነት ጉዱኣት ኣካልን ዘለው ዕንቅፋታትን መሰረት ዝገበረ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኒው ሆራይዘን ኣይተ የውሃንስ ኣርከበ መሰረተ ልምዓታት አብ ዝህነፅሉ እዋን ንጉደኣት ኣካል ዝምችው ክኾኑ ዝድንግግ ሕጊ ዋላ ይሃሉ፣ ብሸለልተኝነት ብዙሕ ግዜ ተግባራዊ ከምዘይኾን ገሊፆም።
እቲ ሕጊ ፀኒዑ ብዘይምትግባሩ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ነቲ ጉዱእ ኣካል ዘለዎ ዝህቦ ግምት ትሑት ብምዃኑን ካልኦት ፀገማትን ተደማሚሮም ጉዱኣት ኣካል ንዝተፈላየ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ይቃልዑ ኣለው ኢሎም ኣይተ የውሃንስ።
እዚ ምስ መዳርግቲ ኣካል ዝተኻየደ ዘተ እውን ሃገራውን ዓለምለኻውን ሕግታት አንታይ ይመስሉ ሪኡ ኣብ ኣተገባብረኦም ትኹረት ክግበር ዝፅውዕ እዩ ኢሎም።
ንጉድኣት ኣካል ምሕጋዝ ሓዜኔታ ዘይኮነስ መሰል እዩ፣ ነቲ ፈፃሚ ድማ ግዴትኡ እዩ ዝበሉ ድማ መስራትን ኣማኻሪን ኒው ሆራይዜን ኣይተ ገብረኪዳን ሓድሽ እዮም።
ኣብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ትግራይ ኣተሓባበሪ ጉዱኣት ኣካል ኣይተ ኣደራጀው ሽሻይ ብወገኖም ኩሉ ዝምልከቶ መዳርግቲ ኣካል ኣብ መሰልን ተጠቃምነትን ጉዱኣት ኣካል እኹል ግንዛበ እንተሒዙን ንተግባራውነቱ እንተሰሪሑ እቲ ፀገም ክፍታሕ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።
#ብህሊና ኣርኣያ