Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ መሬት ሸይጡ ዝብል ዝምቡዕ ሓበሬታ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር...

“ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ መሬት ሸይጡ ዝብል ዝምቡዕ ሓበሬታ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝተቓልሐ ኣጀንዳ እዩ” : – ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ

226

መቐለ፥ 20 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

“ጉባኤ ንኽግበር ሕጋዊ መትከላት መሰረት ገይርካ ምክያድ ግድን እዩ” ዝበሉ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ኣይተ ሰሎሞን መዓሾ፣ “እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ መትከላት ውድብ ህወሓት ዝጠሓሰን ኣመራርሓ ካብ ምውራድን ምድያብን ወፃኢ መቃለሲ ሓሳብ ዘይነበሮን እዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣይተ ሰለሙን ነዚ ዝበሉ ኣብ ህልው ዅነታት ኣድሂቦም ንሚዲያታት መግለፂ ኣብ ዝሃቡሉ ጊዜ እዩ።

“እቲ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ብሕጋዊ መትከል ውድብ ክግምገም ኣለዎ። ኮሚሽን ቁፅፅር ዘይኣመነሉ ጉባኤ ክካየድ ኣይነበሮን። ኣሰናዳዊት ኮሚቴ እቲ ከይዲ ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ ንባዕሉ ኣግሊሉ እዩ። ብርክት ዝበላ ከባቢታት ኣይንሳተፍን ስለ ዝበላ ክፀንሕ ደሊና ነይርና።” ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ “መሰረታዊ ኣፈላላይና ምጥሓስ ሕጋዊ መትከላት እቲ ውድብ እዩ ነይሩ።” ክብሉ ሓሳቦም ኣብሪሆም።

“ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር ) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘካየዶ ኣኼባ ካብ ፀለመ ወፃኢ ንትግራይ ዝጠቅም ኣጀንዳ የብሉን። ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ መሬት ሸይጡ ዝብል ዝንቡዕ ሓበሬታ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝተቓልሐ ኣጀንዳ እዩ።” ድማ ኢሎም።

“ውዕል ፕሪቶሪያ ዓቢይ መቃለሲና እዩ” ዝበሉ ኣይተ ሰሎሞን “ውሑስ ፀጥታ ክህልወና፣ ተመዛበልቲ ክምለሱ፣ ህልውናና ክረጋገፅን ዴሞክራሲ ክዕንብብን መንግስቲ ክጠናኸር ኣለዎ። መንግስቲ ክጠናኸር እንተኾይኑ ናተይ ዝብሎ መሓውር ክህልዎ ኣለዎ። መንግስቲ መደባቱ ሒዙ ናብ ህዝቢ ክወርድ ኣለዎ።” ክብሉ ሓሳቦም ገሊፆም።

ንምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ 16 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፤ በቲ ሓደ ወገን ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ኣብቲ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ምባሎም ይዝከር።

#ቶማስ_ሓዱሽ