Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ተጣዪሹ ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ።

ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ተጣዪሹ ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ።

659

መቐለ፥ 8 ለካቲት  2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)

እቲ ቤት ምኽሪ ንፈፀምቲ ኣካላት ዝቆፃፀር፣ ውሳነታት  ዘሕልፍን ዓቕሚ ንእክበሉን ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

ብቍፅሪ ደንቢ 10/2016 ዝተጣየሸ ኣማኻሪ ካውንስል ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተማሓይሹ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ተጣዪሹ።

ኣብቲ ደንቢ ዝተዘተየ እንትኾን ዝነበሩ ዓንቀፃት ብምምሕያሽ ብ 53 ድጋፍ፣ 1 ተቓውሞን 2 ድምፀ ተኣቅቦን ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኮይኑ ፀዲቑ።

እቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕነቱ ንሕጊ፣ ንሕልናን ንህዝቢን ንክኾን ዝተደንገገ እንትኾን፣ ፈፀምቲ ሰራሕ ንምክትታልን ንምቍፅፃርን ዘኽእል ስልጣን ተዋሂቡዎ ኣሎ።

እቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ካውንስል ካብ ዝነበሮ ስልጣን ብዝበለፀ ንፈፀምቲ ኣካላት ንክከታተል፣ ንክቆፃፀርን ክውስንን ዘኽእል ስልጣን ከም ዝተውሃቦ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ካውንስል 105 ወንበር ክህልዎ ተገይሩ ዝነበረ እንትኾን እቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ 152 ወንበር ኣለዎ።

ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣፈፃፅማ ሰምምዕነት ፕሪቶርያ ዝከታተልን ዝቆፃፀርን ንኮሚቴ ጕዳያት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓዊሱ 7 ቀወምቲ ኮሚቴታት ክህልዉዎ እዮም።

ኮሚቴ ጕዳያት ሰላምን ፀጥታን፣ ኮሚቴ ፍትሒ ዲሞክራታይዜሽን ምሕደራን ምድላው መረፃን፣ ኮሚቴ ቁጠባ መሰረተ ልምዓትን፣ ኮሚቴ ማሕበራዊ ጕዳያት፣ ኮሚቴ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ኮሚቴ ምሕደራ ሃፍትን ኦዲትን እንትኾኑ ነናይ ባዕሎም ዘፈራት ደገፍ ክትትልን ቍፅፅርን ክገብሩ እዮም።

ኣብቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ሓይሊ ፀጥታ ብኣባልነት ኣትዩ ይብል እቲ ሓይሊ ፀጥታ ዝብል ትርጉሙ ተዝቕመጥ፣ ኣብ ስሩዕ ቤት ምኽሪ ሓይሊ ፀጥታ ዝብል የለንሞ ፀጥታ ብኣባልነት ምእታው ጠቓምነቱን ጎዳእነቱ ብኣግባቡ ተሓሲቡሉ ድዩ፣ ንውድባት ፖለቲካዊ  ዝተውሃበ በዝሒ ውክልና  ንምንታይ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም።

ወሰን ተፈፃምነት እቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ሕጊ ብዝፈቕዶ ምስ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ታሕተዎት ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታትን ጣብያታትን ተዘራሪቡ ዝሰርሐሉ ዕድል እንተዝህልዎ፣ ናይ ሓይሊ ፀጥታን ድያስፖራን ብዘሎ ኣወዳድባ ይውከሉ ይብል ብኣየናይ ኣወዳድባ ዝብል ተነፂሩ ትርጉም እንተዝወሃቦ ዝብሉን ካልኦን ርኢቶታት ኣብቲ መድረኽ ተላዒሎም እዮም።

ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን መብርሂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ እቲ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ንፈፀምቲ ኣካላት ዝቆፃፀር፣ ውሳነታት ብምሕላፍ ዝሳተፍን ዓቕሚ ንእክበሉን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ብብዙሕ መንገዲ ኣብ ሓደጋ ንዘላ ትግራይ ተስፋ ዝፈጥር  እውን ክኾን ይግባእ ኢሎም።

ስርሑ ብኣግባቡ ዘይሰርሕ ሰብ ካብ ስልጣኑ ንክለቅቕ ዘግብር ዓቕሚ ክህልዎ ከም ዝግባእ ዘገንዘቡ እቶም ፕረዚደንት ንቐፃሊ መረፃ ባይታ ኣብ ምንፃፍ ዝለዓለ ግደ ከም ዝህልዎ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምትእንጋድ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ዘረጋግፅ ቤት ምኽሪ ንክኾን ተስፋ ከም ዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ውክልና ሓይሊ ፀጥታ  ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምስ ህልው ኵነታት ትግራይን ንምፍፃም ስምምዕነት ፕሪቶርያን ኣገዳሲ  ምዃኑ ኣረዲኦም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።

ብኣግባቡ እተንተሰሪሕናሉ እዚ ቤት ምኽሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ምፍፃምን ዲሞክራሲ ኣብ ምስፋሕን ክሕግዝ እዩ ድማ ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።

ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬቴርያት ዘይምእኹል ምሕደራ ዴሞክራታይዜሽንን ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀኔራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ብወገኖም፣ ሕዚ ዘለናሉ ኵነታት ንቡር ስለ ዘይኮነ ጊዜያዊ  ምምሕዳር ዝተጣየሸሉ ኣገባብ መሰረት ገይርና ፖለቲካ ትግራይ ንክዕሪ፣ ሓይልና ንምእካብን ኣሳታፋይ ንምዃንን ተወሰኽቲ ክካተቱ ዝግበኦም ጕዳያት ኣካቲቱ እዩ እቲ ቤት ምኽሪ ኢሎም።

ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘለዎ ስልጣን መሰረት ገይሩ ዝተጣየሸ እዚ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ካብቲ ካውንስል ዝገፍሐ ምዃኑ ፅቡቕ እዩ ዝሐሸ ዕድል ክፈጥር እዩ ኢለ ድማ ይኣምን ኢሎም።

እቲ  ቤት ምኽሪ ኣብ ቀፃሊ ውዕልኡ ሽመት ኣባላት ኣመራርሓ ቀወምቲ ኮሚቴ  ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕትን ትልሚ ቐፀልቲ 6 ኣዋርሕን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ቐሪቡ እናተዘተየሉ እንትኾን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሰራሕትን ትልሚ ቀፃሊ መንፈቕ ዓመትን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር፣ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይን ትእምትን ናብቲ ቤት ምኽሪ ክቐርብ እዩ።

#ብኪሮስ_መሓሪ