መቐለ፥ መስከረም 21/2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ዓ/ም ዝተራኸባ ጋንታታት ስሑል ሽረን ፋሲልን ብማዕረ ውፅኢት ባዶ ን ባዶ ተፈላልየን።
ኣብ ሕሉፍ ክልተ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ዓ/ም ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ ፀወታ ዓወት ኣብ ሓደ ፀወታ ድማ ማዕረ ውፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ዝተራኸባ ክልቲአን ጋንታታት ብማዕረ ውፅኢት ምፍልላየን ሲዒቡ ካብ ሰለስተ ፀወታ ማዕረ ሓሓሙሽተ ነጥቢ ኣዋህሊለን ይርከባ።



ጋንታ ስሑል ሽረ ኣብ ራብዓይ ሰሙን ግጥማት ምስ ጋንታ ድሬዳዋ ፀወታ ክህልዋ እዩ።
ዕለተ ሓሙስ ቀፂሉ ኣብ ዝሳለጥ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ወልዋሎ ዪ/ዓዲግራት ምስ ሲዳማ ቡና ክትፃወት እያ።