መቐለ፥ ሕዳር 5/2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ኣብዚ ዓመት ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ግጥማት እቲ ሊግ ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ወልዋሎ ዩ/ዓዲግራት ዛጊድ ውፅኢት ክተመዝግብ ዘይምኽኣላ ሲዒቡ ንኣሰልጣኒ ኣሸናፊ በቀለ ምስንባታ ይዝከር።
ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ንምቑፃር ምስ ዝተፈላለዩ ኣሰልጠንቲ ዝርርብ ከካይድ ዝፀንሐ መሪሒነት እታ ጋንታ ኣሰልጣኒ ፀጋይ ኪዳነማርያም ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ገይሩ ምቑፃሩ ኣካይዲ ስራሕ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣይተ ሚኪኤለ ዓንደመስቀል ንቴሌቪዥን ትግራይ ተዛሪቦም።
ኣሰልጣኒ ፀጋይ ኪዳነማርያም ቅድሚ ሐዚ ካብ ወርሒ ለካቲት 2010 ዓ/ም ክሳብ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም ንጋንታ ወልዋሎ ዩ/ዓዲግራት ኣሰልጢኑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣሰልጣኒ ፀጋይ ካብ ንጋንታ ወልዋሎ ዩ/ዓዲግራት ብተወሳኺ ቅድሚ ሐዚ ንጋንታታት ትራንስ ኢትዮጵያ ፣ ሐረር ቢራ፣ ኢትዮጵያ ቡና፣ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ፣ ኣርባምንጭ፣ ሃዲያ ሆሳእና፣ ጅማ ኣባጅፋርን ወላይታ ዲቻን ኣሰልጢኑ እዩ።
ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ኣብ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ዓ/ም ዛጊድ ሹድሽተ ፀወታ ኣካይዳ ሽድሽቲኦም ተሳዒራ ኣብ መበል 18 ደረጃ ተቐሚጣ ትርከብ።
#ክብሮም ተስፋይ