Home ዜና ” ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፥ ልዕሊ  ምምላስ ተመዛበልቲ ካሊእ ዛዕባ ክህልዎ ኣይግባእን...

” ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፥ ልዕሊ  ምምላስ ተመዛበልቲ ካሊእ ዛዕባ ክህልዎ ኣይግባእን ” -ስነ ጥበባዊ መኰነን እዝራ

333

መቐለ፥ 6 ጥሪ 2017 ዓ/ም( ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ኣተሓባባርነት ትማሊ 5 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝጀመረ ሰለማዊ ሰልፊ ይኣክል ሎምዓንቲ እውን ይቕፅል ኣሎ።

መኮነን እዝራ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ፣ ከተማ ሑመራ ምስ ስድርኡ ተፈናቒሉ። “ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኬንዳ ተደርቢና ኣለና ” ክብል ኣማሪሩ። ስነ ጥበባዊ መኮነን እዝራ ፥ ” ተጋዳላይ ” ዘርእስታ ንፅል ግጥምን ዜማን ንድምጻዊት ማህሌት ገብረጀወርግስ ዝሰርሐ ስነ ጥበባዊ እውን ኢዩ።

ስለ ተጋዳላይነት ፡ ጅግንነት ፣ ብፃይነት ፣ ተበጃውነትን ህዝባውነትን ከሺኑ ታሪኽ ህዝቢ ዝሰነደ መንእሰይ እዩ። ህዝባዊ ተደማፅነት እውን ረኺቡሉ። ኮይኑ ግና ፥ ” መስዋእቲ ብፆተይ ፍረ ኣይረኸብኩሉን ” ክብል እዩ ድምፁ ብሰላማዊ ሰልፊ ኣስሚዑ። ” ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ፥ ልዕሊ ተመዛልቲ ወገናቱ ምምላስ ካሊእ ዛዕባ ክህልዎ ኣይግባእን ” ክብል ንመራሕቲ ትግራይ ክወቅስ እንከሎ ድማ ንብዓቱ ምቁፅፃር ኣይከኣለን።

ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ፤ ተመዛበል ወገናት ትግራይ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሕገመንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክኽበርን ዝዓለመ ፥ ዓለም ለኻዊ ፃውዒት ሰላማዊ ሰልፊ “ይኣክል! ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ የካይድ ‘ሎ።

ትማሊ ዝጀመረ እቲ ሰልፊ በዝሒ ሰብ ኣይተረኣየሉን።  ምኽንያቱ ድማ ” ፖሎቲካዊ ሽርሕታት ከም ዘለውዎ ”  ኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ኣይተ ዳንኤል ነጋሽ ገሊጹ።

ብውሑዳት ተመዛበልትን ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝፈለመ እዚ ሰልፊ ፤ ጓሂ ፣ ሓዘን ፣ ዓፀባን ሕራነን ዘለዎም ድምፅታት ይስምዑ ኣለዉ። ብፍላይ መናእሰይ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣውያቶም ዝሰምዖም መንግስቲ ብዘይምህላዉ ሕርቃኖም ብንብዓት ጥራሕ ይገልፁ ኣለው።

ኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ኣይተ ዳንኤል ነጋሽ ብወገኑ ፦ ” ተፈናቐልቲ ወገናትና መጣልዒ ኣብ ክልተ ዝተፈንጨሉ ጒጅለ ውድብ ህወሓት ክኸውን ኣይንፈቅድን ” ኢሉ። ልዕሊ 1500 መዓልትታት ኣብ ቁርን ዓፀባን ዝተረስዑ ተመዛበልቲ ፥ ሰኣን ናብ መረበቶም ምምላስ ብሕማምን ጥምየትን ይሳቐዩን ኣደዳ ሞትን ስደትን ይኾኑን  ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቡ።

” ኣነ ብመስዋእቲ ሓወይን ብፆተይን ክንድ ‘ዚ ኣይበኸኹን።” ዝበለ ዳኒኤል ነጋሽ ፤ ” ምኽንያቱ ፥ ንሳቶም ካብ ውሕጅ ጀኖሳይድ ኣድሒኖሙና እዮም። ሕድሮም ተጠሊሙ ተመዛበልትና ፎቖዶ ኬንዳታት ክሞቱ ክርኢ እንከለኹ ግና… [ ብፀረርታ ንብዓት] ” ተዓጂቡ ብኽያቱ ቀፂሉ። ብፍላይ ” ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ መናእሰይ ብጥምየትን ዓፀባን ተስፋ ቆሪፆም ፥ ይስደዱን ግዳያት ሞትን ባርነትን ይኾኑን ኣለው ” ኢሉ።

መፍትሒኡ ድማ ” ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ውዕሊ ፕሪቶርያ ንክፍፅሙ ማሕበረሰብ ዓለም ፅልዋ ክገብርን ክሕግዝን ንፅውዕ ኣለና ” ብምባል ዳኒኤል ነጋሽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ትማሊ ድምፆም ንምስማዕ  ዝወፁ ተመዛበልትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ ኣደባባይ ከም ዝሓደሩ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሰልፊ ” ይኣክል! ” ክሳብ  ጥሪ 7/2017 ኣ|ግ ክቕጽል እዩ። ሕቶ ምምላስ ተመዛበልቲ እውን ንብዓቱ ኣየቋረፀን።

#ብኤፍሬም_ረደሀይ