Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ሓይሊ ህወሓት ስጉምቲ...

“ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ሓይሊ ህወሓት ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እየ” ኢሉ።

231

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ዝበለ ፤ ብደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ንፕሬዝደንት ጌታቸው ሓዊሱ 13 ህወሓት ወኪሎም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒለዮም ኣለኹ ንምባሉ ስዒቡ እዩ።

መቐለ፥ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ክልተ ምግማዑ ስዒቡ እቲ ጉባኤ ዘካየደ ሓይሊ “ካብ 27 መስከረም ጀሚሩ ስርዓት ኣልቦነት ንምስፋን ዘለዎ ክቱር ድሌት ብዕሊ ከምዝኣወጀ ሓቢሩ። ነዚ ፋሉልነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብትዕግስቲ ክሓልፎ ከምዘይክእል ድማ ኣፍሊጡ።

” ቅድሚ ሕዚ ምእንተ ሓድነትና ከይዝረግ ኢልና ልቢ ኣዕቢና ዝሓለፍናዮም እዋናት እቲ ጉጅለ ከም ድኽመት ወሲዱ እናሰርሓሉ ምምፅኡ ኣብ ግምት ብምእታው ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክጅምር እዩ” ኢሉ።

“ኣብዚ ከይዲ ንዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጥፍኣት ብሕታዊ ተሓታቲ እዚ ጉጅለን ኣመራርሓኡን ምዃኑ ድማ ንመላእ ህዝብና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንፈቱ” ክብል ሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣካይደ እየ ዝበለ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ሃደሽደሽ ኣቢሉ እናጥሓሰ ትግራይ ስርዓት ኣልቦ ክትኾንን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ክኣቱን ዓሊሙ እናተንቀሳቐሰ መፂኡ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሰራዊት ትግራይን እውን ዘይዛሪ ወፍሪ ፀለመን ጠቐነን ከፊቱ ቀትርን ለይትን ይሕምስ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

“ሓደ ግዜ “ሰራዊት ምሳና እዩ”፣ ካልእ እዋን ድማ “ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተረዳዲእና ኢና” እናበለ ህዝብና ንምድንጋር ይንቀሳቐስ ፀኒሑን ኣሎን” ዝበለ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር “ሕዚ ድማ እቲ ኣብ መድረኻት ዝገብሮ ዝነበረ ዘይንቡር ዕንደራን ፋሉልነትን ናብ ተግባር ንምስጋር ዘኽእሎ ዕላዊ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝገበረ ኣዊጁ ኣሎ” ኢሉ።

“ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን ነዚ ዕንደራ’ዙይ ምምራፁ ካብ ስልጣን ወፃኢ ክንደ ፍረጣፍ’ውን ብዝዓባ ባህግ ህዝብና ዘይግደስ ምኳኑ ግልፂ ኮይኑ’ሎ” ኢሉ::

“ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ብምፍፃም መሰረታዊ ሕቶታትና ንምምላስ ዓቕምታቱ ወዲቡ ከምዝሰርሕን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ብምጥንኻር ስግኣት ህዝብና ዝተረድአ ኣወፋፍራ ከምዝገብርን እውን በዚ ኣጋጣሚ ክነረጋግፅ ንደሊ” ክብል ኣፍሊጡ።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዚ መግለፂ ዝሃበ ፤ ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ህወሓት ወኪሎም ኣባላት ካቢኔ ዝኾኑ ሓሙሽተ ኣመራርሓ፣ ኣርባዕተ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣርባዕተ ሓለፍቲ ኤጀንስታትን ኮምሽናትን ብኻልኦት ተኪአዮም ኣለኹ ዝብል መግለፂ ሎሚ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ድሕሪ ምሃቡ እዩ።

ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ህወሓት ነቶም ኣልዒለዮም እየ ዝበሎም ኣመራርሓ ይትክኡ እዮም ዝበሎም ኣመራርሓ ከምዝሾመ እውን ገሊፁ።

ይኹን እምበር ቦርድ መረፃ ኢትዮጽያ በዶ/ር ደበረፅዮን ዝምራሕ ህውሓት ዘካየዶ ጉባኤ ኮነ እቲ ጉባኤ ዘሕልፎም ውሳነ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ምፍላጡ ይዝከር።

#ዛይድ ተስፋይ