Home ዜና ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃቦ ዕዮን ኣንፈትን ብኣግባቡ ክሰርሕን ክፍፅምን ኣይከኣለን-ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተውሃቦ ዕዮን ኣንፈትን ብኣግባቡ ክሰርሕን ክፍፅምን ኣይከኣለን-ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ

192

መቐለ፥18 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ብኣቦመንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ምክትል ኣቦመንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ኣብ እዋናዊ ኩነታት አመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ስራሕን ሓላፍነትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብንፁር ዝተቐመጠ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣማኒኤል ዝተውሃቦ ዕዮን ኣንፈትን ብኣግባቡ ክሰርሕን ክፍፅምን ኣይከኣለን ኢሎም። ኣብ ክንዲ ትልሚ ሓንፂፁ ዝተውሃቦ ዕዮ ብኣግባቡ ዝሰርሕ ግና ኣንፃር እቲ ዝተውሃቦ ተልእኾ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምርግጋፅ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ፣ ምክያድ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ክሰርሕ እናተገበኦ ብሰንኪ ድኹም መሪሕነቱ ግን ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተላዚቡ ክሳብ ሐዚ ክትግብር ኣይከኣለን ኢሎም።

በዚ ድማ ውድብ ህወሓት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሮ ውክልና ኣልዒሉ እዩ፤ ናብ መሪሕነት ዝመፅእ ኣካል ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብዝግበር ልዝብ ክትግበር እዩ ኢሎም። ምስ መንግስቲ ፌደራል ድማ ዘተ ይካየዱ ከምዝለው ሓቢሮም። እቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝግበር ልዝብን ዝተበፅሐ ስምምዕን ድማ ዕልባት ምስረኸበ መግለፂ ክወሃቦ ምዃኑ ገሊፆም።

ረብሓ ህዝብና ንምርጋጋፅ ምስ መንግስቲ ፌደራል ንገብሮ ዘለና ዝርርብ ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም።

ብዛዕባ ቤት ምኽሪ ጣብያን ወረዳን ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብሪሂ፡ ብሕገ መንግስታዊ መስርሕ ተኸቲለን እየን ዝሰርሓ ዘለዋ ክብሉ ይገልፁ። ዋላኳ ገደብ ስልጣነን እንተሓለፈን ክሳብ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ተጣይሹ ዝትክኣ ግን ብመሰረት ብሕገ መንግስቲ ዝተወሃበን ስልጣን እየን ዝሰርሓ ዘለዋ ኢሎም።

እቲ ውድብ ኣብ ጣብያታትን ወረዳታትን ንዝወከሎም ኣካላት ዝተወሃቦም ዕዮ ብኣግባቡ ክሰርሑን ክፍፅሙን እንተዘይኪሎምን እንተዘይኣሚኑሎምን ካብ ዝተመደቡዎ ኣብያተ ዕዮ ኣልዒሉ ክሸይም ሕገመንግስታዊ ስርዓት እምበር ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ።

ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ 15 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ጉባኤ ዘካየደ ሓይሊ ናይ ዞባን ወረዳን መሓውሩ ተጠቒሙ ግዝያዊ ምምሕዳር ክለምስን ክፈርስን እናገበረ እዩ ክብሉ ምዝራቦም ይዝከር።

ብተወሳኺ ኣብያተ ምኽሪ መረፃ ኣብ ዘየካየዳ ሓደሽቲ ወረዳታት ዝህበኦ ዘለዋ ሽመት ሕጋዊ ዘይምዃኑ ብምጥቃስ ብስርዓት ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ስልጣን ኣረክብ ዝብላሉ ዘለዎ መንገዲ ድማ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ክብሉ ገሊፆም ምንባሮም ይፍለጥ።

ብኻሊእ ገፅ ኣብ ዞባ ብዘለው ኣመራርሓ ዝረአ ዘሎ እገዳ በጀትን ዝፀሓፍ ዘሎ ደብዳበን ብዝምልከት ሓሳብ ዝሃቡ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ እቲ እገዳ በጀት ኣግባብነት ከምዘይብሉን ሕጊ ምኽባር እንትጅመር ተሓታትነት ከምዘስዕብን ሓቢሮም።

ምስ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ኣተሓሒዞም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ እቲ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ፖሊቲካ ትግራይ ከምዝምልከቶን ህልውና ህዝቡን ዓዱን ንምውሓስ ክከታተሎ ከምዝግባእን ኣብሪሆም።

ብስም ዲሞክራሲ ዋዕላታት ብምድላው ሕብራዊ ናዕቢ ንምክያድ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ዝብል ካልእ ዛዕባ ዘልዐሉ ኣይተ ኣማኑኤል ብስም ለውጥን ሪፎርምን ፖሊቲካዊ ሕፅቦ ንምግባር እዩ ተሃቂኑ ዘሎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኣቦመንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ውድብ ህወሓት ሪፎርም ንምግባር ምድላዋት ከምዝተገበሩ ዝገለፁ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ነዚ ንምትግባር ድማ ቤት ፅሕፈት ከምዝተኸፈተ እውን ሓቢሮም።

ብመለስ ኣለማት