ፃንሒት በፃሕቲ ዓዲ ብምንዋሕ ቱሪዝም ትግራይ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ሰብ ሞያ ሆቴል ወሳኒ ምዃኑ ተገሊፁ።
ሰብሞያ ሆቴል ኣብ ምንቕቓሕ ቱሪዝም ሓጋዛይ ግደ ንክህልዎም ዘኽእል ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ፌዴረኢን ተዋሂቡ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ቱሪዝም ትግራይ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ንምምላስን ብዝበለፀ ንምስራሕን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ትካላት ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።



ኣብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ፌደርኢ ኣተሓባባሪት ዓቕሚ ህንፀት ወሃብቲ ትካላት ግልጋሎት ቱሪዝም ወ/ሮ ዘርኣየሁ እንዳለው ብወገነን ንሰብ ሞያ ሆቴል ቱሪዝም ብቐፃልነት ዓቕሞም ንከዕብዩ ክትትልን ደገፍን ክንገብር ኢና ኢለን፡፡
እቲ ስልጠና ኣብ መስተንግዶ ምግብን መስተን ከምኡ እውን ኣብ ኣተሓሕዛ ገዛን ላውንደርን ንዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ሞያ ሆቴላት እዩ ተዋሂቡ።
#ብጥዑማይ ገዛኢ