መቐለ፥ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፀገም ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ ከተማ መቐለ ንምቕራፍ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 10 ሚሊዮን ዶላር (1 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ብር) ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ከም ዝስራሕ ተገሊፁ።
ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ዘትዮም።

ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ተወልደ ይደግ ከም ዝበልዎ፣ እቲ ዝህነፅ ፕሮጀክት ፀገም ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ ከተማ መቐለ ንምቕራፍ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ 10 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ ኮይኑ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ተሰሪሑ ንኣገልግሎት ከም ዝበቅዕ ተዛሪቦም።
ዝተፃረየ ማይ ንመስኖ ኣገልግሎት እቲ ተረፈ ምርቲ ድማ ንድዅዒ ከም ዝውዕል ገሊፆም።

ምስ ነበርቲ ሕብረተ ሰብ ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዝተገብረን ንመሬቶም እኹል ካሕሳ ከም ዝወሃቦምን ሓቢሮም።
ተወካሊ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ኣይተ ባለው ይበል፣ ብደረጃ ሃገር ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ክስረሐለን ካብ ዝተሓረያ 23 ከተማታት መቐለ ሓንቲ ምዃና ገሊፆም።

እዚ ፕሮጀክት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ክጅመር ትልሚ ተታሒዙ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብኲናት ምኽንያት ተቛሪፁ ምፅንሑ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዜ ንክዛዘም ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ኣድላዪ ደገፍን ክትትልን ከም ዝገብር ድማ ኣብሪሆም።