Home ዜና ፈለማ ቫይረስ ኮሮና ዝተርኣየላ ሃገረ ቻይና ሓበሬታ ንከተካፍል ተሓቲታ።

ፈለማ ቫይረስ ኮሮና ዝተርኣየላ ሃገረ ቻይና ሓበሬታ ንከተካፍል ተሓቲታ።

330

መቐለ፥ 22 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም( ቴሌቪዥን ትግራይ )

ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ቅድሚ 5 ዓመት ብዛዕባ ዘጋጠመ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ፈለማ እቲ ቫይረስ ዝተርኣየላ ሃገረ ቻይና ሓበሬታ ንከተካፍል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሓምሻይ ዓመት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቻይና ብዛዕባ እቲ ሕማም ሓበሬታ ክትህብ ” ሞራላውን ሳይንሳውን ግዴታኣ’ዩ” ክብል ገሊፁ።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ግልፅነት ፣ ሓበሬታ ምክፋልን ምትሕብባርን እንተዘይሃልዩ ዓለም ብእኹል መልክዑ ንመፃኢ ለበዳታት ክትከላኸልን ክትዳሎን ኣይትኽእልን” ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣገንዚቦም።

ቻይና ነቲ ትማሊ ሶኑይ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሃቦ መግለፂ ክሳብ ሐዚ መልሲ ኣይሃበትን። ቅድሚኡ ግን “ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝተማህዘ እዩ” ንዝብል ኣተሓሳስባ ብትሪ ክትነፅጎ ፀኒሓ እያ ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ልክዕ ከምዚ ዕለት 31 ታሕሳስ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ነይሩ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ዝተርኣየ።

ከም ኣገላልፃ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዔለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እንተኾይኑ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ብውሕዱ 7 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም እዮም። ብተወሳኺ ድማ እቲ ሓቀኛ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 20 ሚልዮን ክበፅሕ “ተኽእሎ” ከም ዘለዎ እዮም ዝሕብሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ከም ዚኦም ዓይነት ለበዳ ኣብ ዝኾነ እዋን ክመፅእ ይኽእል’ዩ” ብምባል ዓለም ነዚ ተረዲኣ ክትዳሎ ኣተሓሳሲቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብኪሮስ ገ/ስላሴ