Home ዜና ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ትሑት ምዃኑ ገሊፆም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ትሑት ምዃኑ ገሊፆም።

376

መቐለ ፣ 3 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሮም ፃንሒት ኣመልኪቶም ሎሚ ኣብ ኣዲስኣበባ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

“ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዙሕ ምዕባለ ኣየርአየን በዚ ድማ ኣይዓገብናን”ዝበሉ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር “ብወገን ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ሰላም ድልየት ግን ዝንኣድ እዩ” ኢሎም ::

ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፅኡ ኣለዎም ኢሎም::

ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ክምለሱን ውዕሊ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበርን እውን ኣተሓሳሲቦም::

“መቐለ ኸይደ እንሃለኹ: ናብ ተመዛበልቲ ምብፃሕ ጌረ ኔረ :: ዘለውዎ ኹነታት የሕዝን:: ድልየቶም ብህፁፅ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዩ::” ኢሎም ኣምባሳደር ማይክ ሃመር::

“እቶም ተፈናቐልቲ ብውሑስ መንገዲ ክምለሱን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይካ ሰራዊት ኢትዮጵያ: ኻልኦት ሓይልታት ሙሉእ ብሙሉእ ክወፁ ኣለዎም” ኢሎም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ህፁፅ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምጅማር ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ፅምበራ ተጋደልትን ከምኡ እውን ምጅማር ፖለቲካዊ ዘተን ትኹረት ዝገበሩሎም ነጥብታት ከምዝነበሩ ገሊፆም::

ብዛዕባ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ኣመልኪቱ ብጋዜጠኛታት ዝተሓተቱ እቶም ኣምባሳደር፣ ተወከልቲ ግዝያዊ ምምሕደር ትግራይ ይኹኑ ኣቦ ወንበር ህወሓት ንሰላም ዘለዎም ድልየት ከምዝገለፁሎም ተዛሪቦም::

“ንፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፣ ንምክትሎም ጀነራል ፃድቃንን ሎሚ ንጉሆ እውን ንኣቦወንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶር.) ረኺበዮም እየ:: ኣብ ፖለቲካ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ተፈጥራኣዊ እዩ:: ኣፈላላዮም ብዝሰልጠነ መንገዲ ክፈትሑ ከምዘለዎም ተዘራሪብና ኢና:: ናይ ክልልን ናይ ፌደራልን መረፃ ኣብ ቀረባ ግዘ እዩ:: ህዝቢ ባዕሉ መራሒኡ ባዕሉ እዩ ክመርፅ ዘለዎ::”ኢሎም

ዞባዊ ኹነታት ኣመልኪቱ ንዘተልዓለሎም ሕቶ ድማ፣ ኣሜሪካ ጉዳይ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብትኹረት ከም እትከታተሎ ተዛሪቦም::

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ጳጉሜን 5/2016 ዓ.ም ኣፈፃፅማ ውዕሊ ንምግምጋም ናብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣባባ ምምፀኦም ዝዝከር እዩ::

#ኣቤል-ፅጋቡ ካብ ኣዲስ ኣበባ