Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ሓደሽቲ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ 24 መስከረም...

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ሓደሽቲ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

196

መቐለ፥ 4 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ሓደሽቲ ተምሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 85ን ልዕሊኡን ማእኸላይ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ምዝገባ ዝካየደሎም ቦታታት ኣብ መቐለ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ፣ማይጨው ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጥላሁን ግዛው፣ ዓድግራት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዚ፣ ኣክሱም ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ፣ ሽረ እንዳስላሰ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደምቦስኮ ፣ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቦሌ ህድሞና ህንፃ ምዃኑ ሓቢሩ።

25 መስከረም 2017 ዓ.ም መእተዊ ፈተና ከምዝውሃብ ዝሓበረ እቲ ቤት ትምህርቲ ባሕቲ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ድማ ውፅኢት ከምዘፍልጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ኣብ 1990 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝጀመረ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ፤ ዛጊድ 2500 ተምሃሮ ተቐቢሉ ዘምሃረ እንትኾን ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብደረጃ ሃገር ልዑል ውፅኢት ዝተመዝገበ ብተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

#ዛይድ ተስፋይ