መቐለ፥ 02 መስከረም 2017 ዓም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሎሚ ተራኺቦም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ገፃም ከም ዝሓበርዋ ምስ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝምልከቱ ጉዳያት ምዝታዮም ገሊፆም።
ከምኡ እውን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘይተፈፀሙ ጉዳያትን ንቕድሚት ክስርሑ ኣብ ዝግብኦም ዛዕባታትን ምዝታዮም ገሊፆም።
ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር መንግስቲ ኣሜሪካ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕማሙ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ንምፍፃም ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዘለዎ ተወፋይነት ገሊፆም እዮም።
እቲ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ንምትግባር ድማ ኣሜሪካን መሻርኽታን ዝተዋደደ ፀቅጢ ከምዝገብራ ምግላፆም ፕረዚደንት ጌታቸው ፂሒፎም እዮም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ተመዛበልቲን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩን ስቃይ ከብቅዕ ክሕግዙ ከምዘለዎም ምዝራቦም ገሊፆም።
እቲ ስምምዕ ብሙሉእነት ዘይምትግባሩ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዓብይ ሳዕቤን ከምፅእ ከምዝኽእል እውን ንማይክ ሃመር ምዝራቦም ፂሒፎም።