መቐለ፥ 5 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንመላእ ህዝብን ሓይሊታት ፀጥታን ትግራይ እንዃዕ 2017 ዓ/ም ኣብፀሐኩም ብምባል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።
ኣብ 2016 ዓ.ም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕማማቱ ንምፍፃም ዝገበሮ ፃዕሪ ትሑት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተሳለጡ መድረኻት ድማ ዓቅሚናን ጥንካረናን ንምዕቃብ ዝጠቅሙ እዮም ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ሓድነትን ስምረትን ህዝቢ ትግራይ ንምጥንካር ከምዝተካየዱን ኣብ ዘይተካየዱሎም ከባቢታት እውን ከምዝቅፅሉን ሓቢሮም ።
ናይ ህዝቢ ሓሳብ ንምስማዕ ተሓሳቢ ተገይሮም ከምዝተካየዱን ዝተማለኣ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ተሓሲቦም ዝተኻየዱን እዮም ኢሎም ።
ህዝቢ ትግራይ ንሓድነቱን ዓርሰ ውሳነኡን ድሉው ከምዝኾነ እቶም መድረኻት ኣረጋጊፆሙልና እዮም ኢሎም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዋደደ ስራሕ ኣይሰርሐን ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣፋላላይና በቲ ዝድለ ክንሰርሕ ኣይገበረናን። ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ገመድ ምጉታት ግዜኦም ከምዘሕለፉ ሓቢሮም ።
ልዕሊ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ዝረአ ኣጀንዳ የለን ዝበሉ ፕረዚደንተ ጌታቸው ንቀፃሊ ኣብኡ ኣትኩርና ክንሰርሕ ኢና ድማ ኢሎም ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ: ዞባታትን ወረዳታትን እውን ስርሖም ክሰርሑ ኣለዎም ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ምትዕንቃፍ ዝመስሉ ሕመቓት ተራኢዮም እዮም ኢሎም ።
ምትዕርራይ መሓውር ተጀሚሩ እዩ ብቐፃልነት ምስ ሓይሊታት ፀጥታ ብምትሕብባር ክስራሕ እዩ እውን ኢሎም። እቲ ኸይዲ ብስርዓት ከምዝምራሕ እውን ሓቢሮም።
ዋና ዕማም ግዝያዊ ምምሕዳር ላዕላውነት ግዝኣት ትግራይን ተመዛበልቲን ሞምላስ ከምኡ እውን ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ምርግጋፅ ከምዝኮነ ብምግላፅ ዛጊድ ከምዘይተሰርሐሉን ገሊፆም።
ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እውን ዘይተጀመሩ ስራሕቲ ከም ፖለቲካዊ ዘተ ኣለው ኢሎም።
ኣብ ፀለምቲን ራያን ዝተጀመረ ምምላስ ተመዛበልቲ ዝተወሰነ ርሕቀት ከምዝኸደን ፖለቲካዊ ስራሕቲ ከምዝተርፎን እውን ሓቢሮም ።ኣብ ቀፃሊ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲን ግዝኣት ትግራይን ብትኩረት ክስራሕ እውን ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው።