ፕሬዝደንት ባይደን ንወዶም ገበነኛ ናይ ዝበለ ቤትፍርዲ ውሳነ ከም ዘኽብሩ ተዛሪቦም።
ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ ሃንተር ዝተብሃለ ወዶም ምስ ዕድጊት መሳርሒ ዅናት ተተሓሒዙ ገበነኛ ምባሉ ስዒቡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ከኽብር እየ ኢሎም።
ወዲ 54 ዓመት ሃንተር ባይደን ብ2018 ኣቈፃፅራ ኣውሮፓውያን መሳርሒ ዅናት እንትገዝእ ኣብ ዝመልኦ ቅጥዒ ተጠቃሚ መዐወኒ እፅ ኣይኮንኩን ክብል ብምሕሳዉ፥ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝወድአ ኸይዲ ፍርዲ ዝነበሩ ዳያኑ ገበነኛ ኢሎምዎ።
ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከብ ፕሬዝደንት ውሉድ ገበነኛ ክበሃል ንፈለማ እዋን እዩ።
እዚ ውሳነ እዚ ዝተውሃበ ድማ ጆ ባይደን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ፣ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ኾይኖም ክወዳደሩ ምልዕዓል መረፃ እናገበሩ ኣብ ዝርከቡሉ ጊዜን ተነሓናሒኦም ዶናልድ ትራምፕ ገበነኛ ምስ ተብሃሉን ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።