Home ዜና ሃፍተ ገነት ንሕውየት

ሃፍተ ገነት ንሕውየት

961
0

ትግራይ ዘለውዋ ሃፍተ ገነት ብግቡእ ብምጥቃም ተፈፂምዋ ካብ ዘሎ ቁጠባዊ ዕንወት ቀልጢፋ ክትሓዊ ከምትኽእል ምሁራን ስነ ቁጠባ ገሊፆም፡፡

ማሕበር ኢኮኖሚስት ትግራይ ”ካበይ ናበይ “ ኣብ ዝብል ቴማ መፅናዕታውን መሃዛይን መድረኽ ኣሳሊጡ፡፡

ትግራይ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣድሂቦም መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቅረቡ ዶ/ር ኪዳነማርያም ገ/ሄር ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዝነበሮ ቁጠባዊ ምንቅስቃሳት  ዘተባብዕ ከምዝነበረን ብፍሉይ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያት ምስ ክልላት #ኢትዮጵያ  ክነፃፀር እንከሎ  ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበራ ኣዘኻኺሮም፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝተዳከመ ብምንባሩ ፍትሓዊ ቁጠባዊ ዕቤት ከይሰፍን ማሕለኻ እዩ ነይሩ ኢሎም፡፡

ኣብ ትግራይ ይፍፀም ካብዘሎ ጀኖሳይዳዊ ወራር ቀልጢፉ ንምሕዋይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ሃፍተ ገነት ብግቡእ ክጥቀም ይግባእ ክብሉ ዶ/ር ኪዳነማርያን ገሊፆም፡፡ ብፍላይ ክባብያዊ ሃፍተ ገነት ብዘበናዊ መልክዕ ክስራሐሉ ኣለዎ ክብሉ ድማ ሙሁር ስነቁጠባ ኣመሃ ሃይለ ኣገንዚቦም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleዳግመ ሕውየት ቁጠባ ትግራይ
Next articleሕገ-መንግስታዊ ልዝብ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ