Home ዜና ህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ

ህንፀት ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ

916
0

ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብትኹረት ክሰርሑ  ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ  ፀዊዑ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኻየደ ኵናት ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓወልቲ ዝነበራ ትካላት ማይ ምዕናወን ስዒቡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንከቢድ ስእነት ቀረብ መስተ ማይን ማይ ወለድ ሕማማትን ተቃሊዖም ከምዝፀነሑ ነበርቲ እታ ጣብያ ይገልፁ፡፡

ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ምስ ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓውልቲ ዳግመ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ንግልጋሎት በቅዑ፡፡

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓውልቲ ዳግመ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ዝተገበረ ዳግመ ህንፀት ማይ እቲ ዝፀነሐ ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ንምቅላላ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ህንፀት ዝተገበረሉ ትካል ማይ ኣድላዪ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብርሉን እቲ ደገፍ ተጠናኽሩ ክቅፅል ከምዝግባእን እቶም ነበርቲ  ተዛሪቦም፡፡

ብዝተገበረ ዳህሰሳዊ መፅናዕቲ ኣብ ትግራይ ዓብዪ ስእነት ቀረብ መስተ ማይ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ክንፈ ኣብርሃ ብወገኖም እቲ ትካል ዝገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኾነን ፀገም ህዝቢ ብቅልጡፍ ክፈታሕ ከምዝግባእን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ወራርን ኵናትን ስዒቡ ኣብ  ትካላት ማይ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዝበፀሐ ዝሓበሩ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ኢንጂነር ቴድሮስ ገ/ሄር ዝዓነው ትካላት ማይ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው

Previous articleሓገዝ ንህፃውንትን ሓራሳትን
Next articleኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ  ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም