Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ምስ ዝፈፀመ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ...

ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ምስ ዝፈፀመ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኤርትራ ትማልን ሎምን ዘይቅየር መርገፂ እዩ ዘለና – ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)

1462
0

ህዝቢ ትግራይ ንሓርነት ህዘቢ ኤርትራ ክብል ኣንፃር ደርጊ ኣብ በረኻታት ሳሕል፣ ናቕፋን ካልኦትን ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፤ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን ሐዚ እዉን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ምስ ዝፈፀመ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኤርትራ ትማልን ሎምን ዘይቅየር መርገፂ እዩ ዘለና ኢሎም፡

፡ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምሰ ፋሽሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ኢሉ እዉን ፍቕሪ ቀይሕ ባሕሪ እምበር ጥር ትብል ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዘይብሎም ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ሸሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ መስካሕክሒ ግፍዒ ፈፂሙ እዩ፡፡

እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለዎ ግን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞን ይፍፅሞ ዘሎን ወረራን ጨፍጫፍን ንምቕፃል ካልእ ድራማ ክሰርሕ ጀሚሩ ኣሎ፤ ይብሉ ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙን ክፍፀም ዝገበሩ ኣካላትን መራሕቲ እቲ ዉልቀ መላኺ ስርዓትን ብመሰርት ዓለም ለኸ ሕጊ ግቡኦም ክረኽቡ ድኣ እምበር ከምቲ ጨፍጫፊ ስርዓት ኢሳያስ ዝብሎ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝህሉ ኮነ ዝሕሰብ ወራር የለን፤ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ናይ ቕድሚ ሐዚ ክወርዎን ክጭፍጭፍዎን ንዝመፁ ግን ዋገኦም ንምሃብ ኣብ ድልዱል ቁሞና ከም ዝርከብ ፈታዉን ፀላእን ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ እዩ፤ ክብሉ ኣስሚረምሉ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራዉያን ፈተዉቲ ትግራይ ይገብርዎ ዘለዉ ድጋፍ ዝናኣዱ ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን ዝፀንሐ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ብምምላስ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕሉ ካብ ዘልኣለማዊ ባርነት ንምልቓቕን ኣብ ዉሽጥን ደገን ጀሚርምዎ ዘለዉ ቃልሲ ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous article“ሰራዊት ኤርትራ ሩሑ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ” መርገፂ መንግስቲ ኢንግሊዝ
Next article6ይ ዘመን 3ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ