Home ዜና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መበል 55 ጉባኤ ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ ተረኺቡ...

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መበል 55 ጉባኤ ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ ተረኺቡ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ።

1424
0

ህወሓት ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ (ኣብኮ) ካብ 07 ታሕሳስ ክሳብ 11 ታሕሳስ 2015ዓ.ም ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዘካየዶ መበሊ 55 ጉባኤ ንኽሳተፍ ብዝተገበረሉ ዕድመ መሰረት ብወኪሉ ኣቢሉ ተሳቲፉ:: ጉባኤ  ኣብኮ በብሓሙሽተ ዓመቱ ዝካየዱ ኮይኑ ህወሓት ዝተዓደመ ቅድም ክብል ተፈጢሩ ብዝፀንሐ ምሕዝነት ክልቲአን ዉዱባት መሰረት እዩ።

ህወሓትን ኣብኮን  ዝፀንሐ ፅኑዕ  ምሕዝነት  ዘለዎም  ዉዱባት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ ተቀራራቢ ፓሊሲ ዝኽተሉ እውን እዮም። 

ወኪል ህወሓት  ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ኣብ ዘሕለፎ  ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ  ኣፍሪካ ብሄራዊ ኮንግረስ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ስሩ ብምምሓዉ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊን  ኩሉ ዓልየት ብማዕረ ዘተኣናግድን ስርዓት ምህናፅ ምኽኣሉ ንኣፍሪካዊያን  ዘሐብን ከይዲ ምዃኑ ብምርግጋፅ ኣብ ከይዲ ጉባኤ ዝተረኸበ ዓወት ብምዕቃብ ንቅድሚት ክምርሽ  ዘኽእል ውሳነ ክሕልፍ ትፅቢት ዝግበረሉ ምዃኑ ሓቢሩ:: 

 ወኪል ህወሓት  ኣብ  መደርኡ  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት  ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ኩናት ኣብ ምክልኻል  ምፅንሑ ብምሕባር ካብ ፈለማ  ሕርያ ህዝቢ ትግራይ  ሰላማዊ  ዘተን ፍታሕን እዩ ኢሉ። ኣፅዋር ኩናት ንቁልቁል ከድፍኡ ዘኽኣለ  ዉዑሊ ፕሪቶሪያ  ብፃዕርን  ድጋፍን መራሒ ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛ  ዝተፈረመ ምዃኑ ብምግላፅ ንዝተገበረ ፃዕሪ ብስም ህዘቢ ትግራይን  ህወሓትን ምስጋና ኣቕሪቡ::

 ብተወሳኺ   ወኪል ህወሓት  ኣብ ዝገበሮ መደረ ዉዕል ሰላም ፕሪቶርያ  ከይኹለፍ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ቀረባ ክትትልን ድጋፍ  ንኽገብር  ፀዊዑ። ወኪል ህወሓት ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኸቡ ወከልቲ  መሓዙት ፖለቲካ ዉዱባት ዝተፈላለዩ ሃገራት ትግራይ ዘላቶ ኩነታት ብምርዳእ ድጋፍ ንክገብሩ ተላብዉ።

መበሊ 55 ጉባኤ ኣብኮ “ምሕብሓብን ምምዕባልን ረብሓታት ነፃነት፣ ምርግጋፅ ሓድነት ብተሃድሶ” (Defend and advance the gains of freedom; Unity through Renewal”) ብዝብል  ዛዕባ ተፀምቢሉ ዝተኻየደ   ኮይኑ  ናይ መፃኢ 5  ዓመታት መራሕቲ ብምምራፅ ተዛዚሙ:: ኣብዚ ጉባኤ ነበር መራሒ ሲርል ራማፎዛ ንኻልኣይ ቀፃሊ ሓሙሽተ  ዓመት  ተመሪፆም እዮም።

Previous articleሓገዝ ንተመዛበልቲ ዞባ ምብራቕ ትግራይ
Next article ሳዕቤን ስእነት መድሓኒት