Home ዜና “ህዝብና ብጥምየት እናተወደአ ክሳብ ድርድር ሰላም ዝበሃል ኣይንፅበን ዋላ እውን ናይ ሰላም...

“ህዝብና ብጥምየት እናተወደአ ክሳብ ድርድር ሰላም ዝበሃል ኣይንፅበን ዋላ እውን ናይ ሰላም ተስፋ እንተሃለወ ከም ቅድመ ኩነት ኣይቅመጥን፡፡”ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ

3355
0

——-

ስርዓት ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቲ ፈቒደ እናበለ ንማሕበረሰብ ዓለም እኳ እንተደናገረ ብተግባር ግና ነዳዲ እናኸልከልካ ህዝቢ ብጥምየት ክውዳእ ምግባር ካብ ተሓታትነት ኣየምልጥን ክብሉ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎመዓንቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ነዳዲ ፈቒደ እኳ እንተበለ ክሳብ ሐዚ ግን ናብ ተግባር ከምዘይተሸረፈ ሓቢሮም፡፡

ፋሽሽታውያን  ክሳብ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ከይረክብ ክሰርሑ ፀኒሖም እዮም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ቀረባ እዋን  ከእትው  ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

ብሰንኪ ዕፅዋ ባንክን ስልክን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ህዝብና ብጥምየት እናተወደአ ክሳብ ድርድር ሰላም ዝበሃል ኣይንፅበን ዋላ እውን ናይ ሰላም ተስፋ እንተሃለወ ከም ቅድመ ኩነት ከምዘይቅመጥ ኣይተ ጌታቸው ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ መሬት ትግራይ ብፍላይ ድማ ብተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ነፃ ክወፅአን ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ ቦትኦም ክምለሱን ከምዘግባእ ኣባል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም፡፡

Previous article3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ሱዳን
Next article3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ኣብ ኣውስትራልያ