Home ዜና ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ዘመናዊ 30...

ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዝ ንምግባር ዝኣተዉዎ ቃል መሰረት ዘመናዊ 30 ትራክተራት ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቡ።

600
0

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ክሳብ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ብገንዘብን ዓይነትን ሓገዝ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ድማ ካብቲ ዝተኣተወ ቃል ሎሚ 18/09/2015 ዓ/ም ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ 30 ጂፒኤስ ዝተገጠመለን ሓደሽቲ ትራክተራት ናብ መቐለ ኣጓዓዒዞም ንኣመራርሓ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቦም። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮምያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ ብኩናት ዝዓነወ ሕርሻ ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ንምዝማንን ከም ክልልና ጌርና ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ብምባል እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።

ህዝቢ ትገራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ጎኑ ብምዃንና ክብሪ ይስመዐና ዝበሉ ኣይተ ጌቱ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ እዉን ኣብ ዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ሓገዝ ብምግባር እጃመን ከበርክታ ፀዊዖም ።

ሓላፊ ቺፍ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ህዝብን ምምሕደርን ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዶም። እዚ ብህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ዝወሃብ ዘሎ ዝተፈላለዩ ሓገዛት በቲ ዝኣተውዎ መሰረት ይትግብሩ ከም ዘለዉን እዚ ሓገዝ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ትግራይን ህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮምያ ርክቦም ዝያዳ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም። ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ እተን ብህዝብን ምምሕዳርን ክልል ኦሮምያ ዝተዉሃባ ዘመናዊ ትራክተራት ኣብ ምዝማን ሕርሻ ትግራይን ምድንፋዕ እቶትን ዓብይ ተራ ከም ዝፃወታ ሓቢሮም። ካልኦት ክልላት ኢትዮጽያ ድማ በቲ ዝኣተወኦ ቃል መሰረት ንትግራይ ክሕግዛ ከም ዝግባእ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ ኣተሓሳሲቦም። #ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሃገራት ዓባይ ብሪታንያን ጣልያንን ኣብ ዙርያ መለሽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክፃወታ ፀዊዖም።
Next articleኣብ ርዋንዳ ዝለዓለ ጆኖሳይድ ዝፈፀሙ ሰባት ምእሳር ምጅማሩ ፍትሒ ከምዝረጋገፅ መርኣያ ምዃኑ ተገሊፁ።