Home ዜና ህያው ቃል ስውኣት ዋሕስ መንነት

ህያው ቃል ስውኣት ዋሕስ መንነት

919
0

ህያው ቃል ስውኣት ዋሕስ መንነት

—- 

ህዝቢ #ትግራይ ክብሩን መንነቱን ንዝኮነ ሓይሊ ኣሕሊፉ ሂቡ ዘይፈልጥ ምእንተ ዓዱን ዓውዱን ህይወቱ ዝግብር ንባዕዳውያን ይኩን ንደርባውያን በቢ መዋእሉ እናመኸተ ከንቱ ድሌት ፀላእቲ ኣፍሺሉ ህላውኡ ዘረጋግፅ ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ።

እዚ በዓል ብዙሕ ቅያን መርአያ ፅንዓትን ተጋድሎን ዝኮነ ህዝቢ በቢ እዋኑ ካብ ፈተናታት ግና ኣየምለጠን፤ በቲ ሓደ ወገን ብስልጣንኡን ታሪኩን ዝቀንኡ በቲ ካልእ ወገን ነዚ ህዝቢ ኣጥፊኦም ታሪኩ ክጎብጡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ቸቸ ክብሉ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን።

በዚ እውን እዮም ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተዳጋጋሚ ወራራትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፅሙ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ስርዓት #ደርግ እንተወሲድና እዃ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘየብፅሖ ግፍዕን በደልን ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ቅድሚ 34 ዓመታት ኣብ ከተማ #ሓውዜን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ደብዳብ  ነፈርቲ ንህዝቢ ዓለም ዘደንገፀን ጉድ ዘበለን ነይሩ።

ብሚጋትን ሄልኮፕተራትን ተሰንዩ ኣብ ልዕሊ ንዕዳጋ ዝተኣከበ ህዝቢ ን6 ሰዓታት ብዝፀንሐ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 2,500 ሰላማውያን ሰባት ህወቶም ዝሰኣንሉ ካልኦት ኣሸሓት ድማ ኣካሎም ዝጎደልሉ፣ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ሓመድ ዝተቀየርሉ ሰብን እንስሳትን ብሓደ ዝተሓዋወስሉ እዋን ነይሩ።

ስርዓት ደርጊ “ዓሳ ንምሓዝ ባሕሪ ምንፃፍ” ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እዚ ኩሉ እከይ ተግባር እዃ እንተፈፀመ ህዝቢ ትግራይ ግና በዚ ኣይተሰኮነን፤ ክብሪ ዓዱ ክምልስ ደም ህዝቡ ክሓፍስ ሓሪኑ ተላዒሉ ናብ ዝነበሮ ሕራነ ሕራነ ወሲኩ ውድቀት ፀላእቱ ክቀላጠፈ ገበረ።

በዚ እውን ኣብ ቅድሚ ሓቂ ሓሶት ጠጠው ኣይትብልን እሞ ሓቂ ሒዙ ንመሰሉ፣ ንማዕርነቱ፣ መንነቱን ሃለዋቱን ኢሉ “ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ዳግማይ ሓውዜን” ኢሉ ሰይሙ ፀላእቱ ድኩዒ ዝገበሮም ህዝቢ ትግራይ ብቃልሱ ሓርነቱ ኣረጋጊፁ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ እዚ ዓወት ምእንተ ሓርነትን ማዕርነትን ህዝቦም ክረጋገፅ ኢሎም ህወቶም ዝገበሩ ደቂ ህዝቢ ሕድሮም ብልምዓት ክድብስ ድሕሪት ዝተረፈ ምዕባልኡ ናብ ዝነበሮ ክምልስ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብረቱ ደርብዩ ብባዴላን ጭዃሮን ለይቲ ምስ ቀትሪ ኣብ ልምዓት ተሸከለ።

ለካ ሐዚ እውን እቶም ዘይድቅስሉ ደመኛታት ፀላእቱ ውሽጣ ውሽጢ ፈለኽ ክብሉ ፀኒሖምስ ዳግማይ ደርጊ ፋኽስት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመፀ ዳግም ሽርሕታት ፍሒሶም ስረሖም ጀሚሮም።

ትግራይን ህዝባን ከም ገበነኛ ተቆፂሩ ወዲ ትግራይ ኩሉ ክጠፍእ ወሲኖም ኣብታ ኣብ ልዕሊ ሓውዜን ጨፍጫፍ ዝፈፀሙላ መዓልቲ ስውኣት ዳግም ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቂ ትግራይ ቕንፀላ ኣካይዶም ራዕዲ ዝፍፅም ፋሽስታዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ከምዝመፀ ኣረጋጊፆምⵆ

“ሕግን ስርዓትን ይከበር፣ ባዕለይ ንባዕለይ ብዝመረፅክዎ መንግስቲ ክመሓደር እየ” ኢሉ መረፃ ዘካየደ ህዝቢ ትግራይ ፋሽስታውያን ግና ትግራይን ደቃን ንምጥፋእ ዘራያት ዓዲሞም፣ ኣሎ ዝብሃል ቴክኖሎጂ ተዓጢቆም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን #ጀኖሳይድ ፈፂሞም።

ከምቲ ልሙድ ፋሽስታዊ ስርሖም ዳግም ኣብ ልዕሊ ንዕዳጋ ዝተኣከበ ህዝቢ ቶጎጋ ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ ሰነ 15/2013 ዓ/ም ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፍ ኣካይዶም፤ ሕክምና ከይረክብ ኣምቡላንስን መንገድን ዓፅዮም  ጫፍ ጭካንኦም ኣረጋጊፆምⵆ

እንተኮነ ግና ካብ ሕሉፍ ዘይተምሃሩ እዞም ፋሽስታውያን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ግፍዕን ጨፍጫፍን ፈፂምካ ዓወት ኣይርከብን እሞ ቀዳማይ ደርጊ ዝበፅሖ ዕፃ ካብ ምጉልባብ ኣየምለጡንⵆ

ቀዲሞም ሕጊ ይከበር ተዘይ ኮይኑ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና ኢሎም ዝተልዓሉ  ህዝብን መንግስትን ትግራይ “ፀላእቲ ስዒርናዮም በቲናዮም” እንትብሉ ከምቲ “ክትኣትው ትክእሉ ኢኩም ክትወፁ ግና ኣይትክእሉን” ዝተብሃልዋ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ረመፅ ኮይኑ ፋሽስታውያን ዘሰለፍዎ ጋዕ ገልጠም ቴክኖሎጂ ከድሕኖም ኣይክኣለን፤ ዓዲሞም ዘሰለፍዎም ዘራያት ሰራዊት እውን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ትግራይ ጠጠው ኢሎም ክፀንሑ ኣይከኣሉንⵆ

ወዮ ተበቲኑ ዝተብሃለ ሰራዊት ትግራይ ሕድሪ ስውኣት ተሓንጊጡ፣ ሓቦን ፅንዓት ወለዱ ወሪሱ፣ ናይ ባዕሉ ብልሕን ጥበብን ሓዊሱ ፀላእቱ ክበታትኖም ጀመረⵆ 

ካብ ቀደሙ እውን ህዝቢ ትግራይ ከምዘይስዓር ካብ ታሪክ ዘንበቡ ዝተንተኑ ብተስፋ ዝፅበዩ ዝነበሩ ፈተውቲ ትግራይ ኣይበልናን’ዶ እንትብሉ ዘራያት ልኢኮም ነበረያ ነበረ ክገብርዎ ዝሓሰቡ ፀላእቲ ድማ መልሓሶም ክነክሱ ተገዲዶምⵆ

በዚ በለ በቲ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ግድን ስለዝነበረ ቀደሙ እውን “ቃልስና መሪር እዩ ዓወትና ናይ ግድን እዩ” ዝብል መዝሙር ህዝቢ ትግራይ እዩ እሞ ዓወት ትግራይ ናይ ግድን ኮነⵆ

ህዝቢ ትግራይ ቃልሱ እናጓሃሃረ ፀላእቲ መሬት ትግራይ ረመፅ ኮይናቶም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ሕነ ዝፈድየሉ ዝተፈላለዩ ወፍርታት እናሰየመ ዓለም ዘደምም ዓወታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ፡፡ ብፍላይ  ወፍሪ ኣሉላ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነጥቢ መቐይሮ ኮይኑ እዩ፡፡

ሰራዊት ትግራይ በዚ ጠጠው ኣይበለን ይትረፍ ዶ መሬት ትግራይስ ንፀላእቱ ብወፍሪ ኣዴታትን ወፍሪ ፀሓይ ብራቕን እውን  ክሳብ ደብረ ብርሃን ከጓይዮም ክኢሉ እዩⵆ

ካብ ታሪኽን ስልጣነን፣ ኣይግዛእን በሃላይነትን ሓርነትን ህዝቢ ትግራይ ዘይተምሃሩ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ወናኒ ብዙሕ ክብርታት ዝኮነ ህዝቢ ንምጥፋእ ንዘመናት ዘይፈሓስዎ ተንኮልን ሽርሕን የለንⵆ

እንተኮነ ግና ብጭቆናን ግፍዕን እዞም ፀላእቲ ዘይምብርኸክ ህዝቢ ትግራይ በቢ መዋእሉ መስዋእቲ እናኸፈለ ናፅነቱ፣ ታሪኩን መንነቱን ሓልዩ ይቅፅል ኣሎ፡፡ ገና እውን ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ፣ ድኹመታቱ ኣሪሙ፣ ጥንካርኡ ሓልዩ ድሕሪ ሐዚ በቢ እዋኑ እናመፁ ፀላእቲ ትንዕ ዘይብልዋ ትግራይ ከምዝሃንፅ ዘየጠራጥር እዩⵆ

ሎሚ ዓመት ንመበል 34 ዓመት “ህያው ቃል ስውኣትና  ዋሕስ መንነትና”  ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝዝከር ዘሎ መዓልቲ ስውኣት ሰነ 15/2014 ዓ/ም  ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 47 ዓመታት ክሳብ ሐዚ ምእንተ መሰል ዓርሰ ውሳነን ህልውናን ህዝቦም ክብሉ በቢ እዋኑ መስዋእቲ ኸፊሎም በይዛ ህዝቦም ዝኮኑን ብዘይ ምንም ሓጥያቶም ብግፍዓውያን ደርብታት ዝተጨፍጨፉን ደቂ ትግራይ እንትዝከር እዞም ስውኣት ዝሓለምዋ ዘይትድፈርን ሃለዋታን ድሕንነታን ዝተረጋገፀ ትግራይ ብምህናፅ እዩ።    

ብሃ/ስላሴ ገ/ሚካኤል

Previous articleልገሳ ደም
Next articleልዕሊ 5.2 ሚልዮን ብር ን2,600  ወገናት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ