Home ማሕበራዊ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ

ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ

958
0

ኣብ ትግራይ በዝሒ ዘለዎ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡ከም ሓበሬታ ግሎባል ሄልዝ ስትራተጂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ትግራይ ዝኣትው ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድን ኣብዚ እተው ዘይበሃልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ መራኸቢ፣ ባንክን ኢንተርኔትን ፍፁም ተቋሪፆም ከምዘለውን ዝገለፀ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብህፁፅ በዝሒ ዘለዎ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣትው ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብፍላይ እዋን ክራማት ይቃረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዘራእትን እታወታትን ሕርሻ ብሓገዝ ክኣትዉ ኣለዎም ክብል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ፡፡ኣደ መንበር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዩኤስ አይድ ሳማንታ ፖወር ኣብ ድሕረ ገፀን ኣብ ዘስፈረኦ ፅሑፍ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሕዚ እውን ቐዛፊ ኮይኑ ቐፂሉ ምህላው ድሕሪ ምግላፅ ትካለን ዩኤስአይድን መሻርኽቲ ኣካላትን ክንዲ ዝተኽኣለ መጠን ደገፍ ንምግባር ይሰርሑ ከምዘለው እኳ እንተሓበራ ኩነታት እናሓሰሙ ይኸዱ ኣለው ኢለን ፡፡

ኣብ ዝኾነ ብርኺ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰበስልጣን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ኣማሓደርቲ ክልላትን ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ሕሰመ መኸራ ደው ኣቢሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ምቹው ባይታ ከጣጥሑ ፀዊዐን፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleምሽጥር ዓወት ህዝቢ ትግራይ
Next articleሕውየት ስነ ልቦና