Home ዜና ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨዉ ካብ ሆስፒታል ለካቲት 12 ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኸ 10...

ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨዉ ካብ ሆስፒታል ለካቲት 12 ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኸ 10 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ናዉቲ ሕክምናን መድሓኒትን ተረኪባ።

639
0

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 13 ኣብ ትግራይ ንዝርከባ 13 ሆስፒታላት ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ምምሕጋዝ ናብ መቐለ ብምጉዕዓዝ ብወከልተን ኣቢለን ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ከም ዘረከባ ትግራይ ቲቪ ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ርኽክብ ተረኺቡ ፀብፂቡ ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ካብተን 13 ሓገዝ ዝረኸባ ሆስፒታላት ትግራይ ሓንቲ ዝኾነት ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨዉ ካብ ሆስፒታል ለካቲት 12 ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 10 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ናዉቲ ሕክምናን መድሓኒትን ብዕለት 08-09-15 ዓ/ም ከምዝተረከበት ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ መሳርሒ መጥባሕቲ ሓዊሱ፣ መድሓኒት፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ፈርኒቸርን ከም ዝርከቦ ምምሕዳር ከተማ ማይጨዉ ንቴሌቭዥን ትግራይ ሓቢሩ። ሆስፒታል ለካቲት 12 ዝዓነወ ናዉቲ ሕክምና ሆስፒታል ለምለም ካርል ተፀጊኖም ናብ ግልጋሎት ክኣትዉ ንምግባር ሰብ ሞያ ከም ዝመደበ እዉን ተሓቢሩ።

ሆስፒታል ለካቲት 12 ብቐፃልነት ምስ ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨዉ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእልን ሰነድ ስምምዕነት ከም ዝተፈራረማን ሆስፒታል ለምለም ካርል ዘለዎ ሕፅረት ናዉቲ ሕክምና ንምምላእ እዉን ተጠናኸረ ሓገዝ ከም ዝልእኽ ቃል ከም ዝኣተወ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ተወከልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 13 ሆስፒታላት ኣብ ትግራይ ንዝርከባ 13 ሆስፒታላት ናብ ንቡር ግልጋሎተን ንክምለሳ ኔትወርክ ፈጢርካ ንምሕጋዝ ዓሊሞም ዝሓዝዎ ሓገዝ ናብ መቐለ ኣጓዓዒዞም ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ከም ዘረከብዎ ይዝከር ። እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ናብተን 13 ሆስፒታላት ትግራይ ይጓዓዓዝ ከም ዘሎ እዉን ንምፍላጥ ተኻኣሉ።

Previous articleስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ንህንፀት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ
Next articleዑደት ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮጳ ኣብ ትግራይ