Home ዜና ለበዋ ኮሚሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕፃል ሓገዝ ትግራይ

ለበዋ ኮሚሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕፃል ሓገዝ ትግራይ

486
0

ኮምሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ዩኤስኤኣይዲን መሻርኽቱን ኣብ ትግራይ ረድኤት ምግቢ ምቕራብ ዳግማይ ክጅምሩ ሓሳቡ ኣቕሪቡ።
ኮምሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ዩኤስኤኣይዲን መሻርኽቱን ምቁራፅ ረድኤት ትግራይ ኣብ ተጠቃሚ ህዝቢ ዘነፃፀረ ብምዃኑ ነቲ ግዝያዊ ምቁራፅ ረድኤት ምግቢ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ከልዕልዎ ለበዋ ኣቕሪቡ።
ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ #USAIDን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን (WFP) ኣብ ትግራይ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዝ “ክሳብ ተወሳኺ ምልክታ” ብዝብል ደው ከምዘብልዎ ዘዘኻኸሩ ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ብሄራዊ ሓደጋ ኢትዮጵያ ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብ ትግራይ ምዕዳል ሰብኣዊ ሓገዝ ንግዚኡ ክሳብ ሐዚ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ምኽንያት ሓገዝ ደው ምባል ኣብ ምጥፍፋእ እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቀጥታ ዝተሳተፉ ክሳብ ዝፍለዩ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኮምሽነር ነዚ ክሳብ ዝግበር ግና ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ክቕፃዕ የብሉን ኢሎም።
ስለዚ እቲ ንትካል ተራድኦ ኣሜሪካን መሻርኽቱን ዝሃብናዮ ለበዋ እዚ ኣብ መጀመርታ ዒላማ ዝተገብረሎም ተጠቀምቲ ፅልዋ ዘሕድር ምእጋድ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክለዓል እዩ ኢሎም እቶም ኮሚሽነር።
ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ከምዝከታተልዎ ዘለውን ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ከምዝፍታሕ ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ እውን ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዝን ብቐረባ ከምዝሰርሑን ኣረዲኦም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ሃይለሚካኤል ገሰሰ

Previous articleዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን
Next articleሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንትግራይ