Home ማሕበራዊ ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ትግራይ

ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ትግራይ

694
0

ካብ ዝሓለፉ 7 ዓማውቲ ንነዘ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ሕማም ዓሶ ናብ ብርኪ ለበዳ ከምዝተሰጋገረ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ። 

ከም ሓበሬታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና 70 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ንሕማም ዓሶ ዝተቓለዐ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ሕማም ዓሶ ብመልክዕ ለበዳ ተኸሲቱ ከምዘሎ ድማ ኣብቲ ቢሮ መተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣይተ ኣረጋይ ገ/መድህን ሓቢሮም፡፡

ቕድሚ ሸውዓተ ዓመታት ተላበድቲ ሕማማት ከምዘይነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ኣረጋይ እዚ ድማ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ክልከላ መድሓኒት ከም መሳርሒ ፅንተት ዘርኢ ይጥቀም ምህላው ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ፅዑቕ ክፍልን ንምክልኻል ዓሶ ዘይምቹን ቦታ ብምህላዎም ነቲ ሕማም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

መድሓኒትን መከላኸልን ሕማም ዓሶ ብህፁፅ ናብ ትግራይ ተዘይበፂሑ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ በቲ ሕማም ክጥቃዕ ከምዝኽእል ዝሓበሩ ኣይተ ኣረጋይ ምእንተ እዚ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለምን ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይን ክሕይል ከምዝግባእ ተላብዮም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleፈልሲ ምትካልና ኣካል መኸተና
Next articleኣብ ልዕሊ ፀገም ተመሓላላፊ ሕማም መገረም