Home ሕርሻ ልምዓት መስኖ ንምክልካል ጥሜት

ልምዓት መስኖ ንምክልካል ጥሜት

1245
0

ኣብ ልምዓት መስኖ ብምንጣፍ ኣጋጢሙና ካብ ዘሎ ዓፀባ ዓርስና ንኸላኸል-መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ።መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ነባሪ ከተማ መቐለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑት እዩ። መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ብባጃጅ ኣብ ግልጋሎት መጎዓዓዝያ ተዋፊሩ መዓልታዊ ብር 500 ይረክብ ከም ዝነበረን ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘካየዶ ኲናት ጀኖሳይድ ስርሑ ጠጠው ከምዘበለን ብሰንኺ ዕፅዋን ክባን ፋሽስታውያን ሓይልታት ነዳዲ ክረክብ ብዘይምክኣሉ ስራሕ ከቋርፆ ተገዲዱ እዩ።

መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕ ፈቲሑ ኮፍ ክብል ኣይመረፀን፡፡ ተሓራሲ መሬት ተኻርዩ ኣሕምልቲ ገደና ብምትካል ንዓርሱ ካብ ምርባሕ ሓሊፉ ፍልፍል ኣታዊ ክፈጥር ከምዝኸኣለ ተዛሪቡ።ሕብረተሰብ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ዓፀባ ንምክልኻል ድማ ገደናታቱ ብኣሕምልቲ ገደና ኣብ ምልማዕ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ሓቢሩ።መንእሰይ ኣታክልቲ ጎና ጎኒ ተሳትፎ ልምዓት ሕርሻ ከተማ ኣብ ደጀንን ግንባርን ይነጥፍ ከም ዘሎን እዚ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉን ድማ ኣረጋጊፁ።

Previous articleሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ
Next articleዘንፀላሉ ዘሎ ደመና ሞት