Home ዜና ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ “ህዝብን መንግስትን ትግራይ ልዑል ዓቕሚ ኣለኩም እዚ ዓቕሚ       ድማ ...

ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ “ህዝብን መንግስትን ትግራይ ልዑል ዓቕሚ ኣለኩም እዚ ዓቕሚ       ድማ  ንሰላም ክትጥቀሙሉ ኣለኩም ኢሎምና”  ኣይተ ጌታቸው ረዳ

723
0

ህዝብን መንግስት ትግራይ ዘለዎም ልዑል ዓቕሚ ንሰላም ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ ኣተንቢሆም ክብሉ ውሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ያኔስ ዴናርቺች ኣብ መቐለ  ተረኺቦም ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ህልዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ኣብዘካየድዎ  ዘተ “ህዝብን መንግስትን ትግራይ ልዑል ዓቕሚ ኣለኩም እዚ ዓቕሚ ድማ  ንሰላም ክትጥቀሙሉ ኣለኩም ኢሎምና” ክብሉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ  ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

በቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ከይተመሓየሸ ናብ ኢ/ያ ልኡኽ ከምዘይልእኽ ኣፍሊጡ ዝነበረ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ብፅዕንቶ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ብዝተርኣየ ንእሽተይ ለውጢ ስዒቡ  ንኮሚሽነር ያኔስ ዴናርቺች  ልኢኹ እዩ። ቅድሚ ናብ መቐለ ምምፅኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ከምዝተራኸቡ ዝሓበሩ እቶም ልኡኽ፣ ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ማሕበራዊ ግልጋሎት ኽምልስ ከምዝሓስብ፣ ይኹን እምበር ክፅግኑ ንዝልእኾም ሰብሞያ ብመንግስቲ ትግራይ ሓደጋ ክበፅሖም እዩ ኢሉ ከምዘመኻንን ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ይብሉ ኣይተ ጌታቸው፣  ፍፁም መታለሊ ዘረባ ምዃኑ ብምሕባር፣ ዝተቛረፁ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንኽፅግን ዝመፅእ ዝኮነ ይኹን ኣካል መንግስቲ ትግራይ ሙሉእ ሓላፍነት ክምዝወስድ  ኣረጋጊፆምሎም እዮም ኢሎም።

ኣብ መቐለ ዘልዉ ተመዛበልቲ ወገናትን ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ዝጎብነዩ እቶም ልኡኽ፣ ብዓይኖም ንዝተዓዘብዎም ኣዝዩም ከቢድቲ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ኣካላት ከምዝላዘቡን መፍትሒ ንምምፃእ ከምዝፅዕሩን ቃል ኣትዮም ከምዝኸዱ  ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም። ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ዂናት ካብ ዝተወለዐሉ ግዘ ኣትሒዙ ንዘርኣዮ ፅኑዕ መርገፂ ድማ ብሽም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ምስግና ኣቕሪቦም ኣይተ ጌታቸው   ።

                                              ተስፋዝጊ ዓስበይ

Website
www.tigraitv.com
Telegram
https://t.me/Tigrai_Ttv
Email
info@tigraitv.com
Twitter
https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram
https://www.instagram.com/tigrai.tv
YouTube
https://www.youtube.com/c/TigraiTv

Previous articleቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
Next articleመንግስቲ ትግራይ ንሰላም ቅድሚያ ዝህብ ስትራቴጅያዊ ድሌት ህዝቢ ንምዕዋት እዩ፡፡