Home ዜና ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ብር ን2,600  ወገናት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ

ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ብር ን2,600  ወገናት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ

1497
0

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ብር ን2,600 ዝተፀገሙ ወገናትን ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ኣዕቑቦም ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብን ንሕድሕዶም 2,000 ብር ሓገዝ ሂቦም።

ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ብገንዘቦምን ፍልጠቶሙን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝለዓለ ምኻኑን እዚ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ኽቅፅል ከም ዘለዎን ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ ተዛሪቦም።

ኣደይ ለተኣነንያ ገ/ማርያም ጓል 92 ዓመት ነባሪት ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ እየን። ብክባን ዕፅዋን ፋሽስታውያን  ንሕሱም ጥሜትን ዓፀባን ተቃሊዐን  ከቢድ ናብራ እናሕለፍ ዝርከባ እንተኾና ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ዝተገበረለን ሓገዝ ሕጉስቲ ምኳነን ተዛሪበን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኩሉ ኣንፈት ዕፅዋን ክባን ተነቢሩሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ተኸልኪሉ  ኣብ ዝኸፍአ  ናብራ ዝርከብን እዚ ተገይሩ ዘሎ ደገፍ ዝነኣድ ምኻኑ ተሓገዝቲ ወገናት  ገሊፆም።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ንምዕዋት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ደገፋት እናገበሩ ምፅንሖምን ሐዚ ድማ 5.2 ሚልየን ብር   ን2600 ዝተፀገሙ ወገናት ነበርቲ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስን ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ዕደጋ ሓሙስ ኣዕቁቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ  ነንሕድሕዶም ብር 2,000 ሓገዝ ከም ዝገበሩ ዝገለፁ ድማ ተወካሊ እቶም ዲያስፓራ  ዝኾኑ ኣይተ ገሄር ኣብርሃ  ሓቢሮም።

ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ብገንዘቦሙን ፍልጠቶሙን ቃልሲ የካይዱ ከም ዘለው ዝገለፁ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ እዚ ተገይሩ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ  ዝነኣድ ምኻኑን ብቀፃልነት  እዚ ደገፍ ተጠናኺሩ ኽቅፅል ኣለዎ ኢሎም።

ሓገዝ ንዝገበሩ ኣከላት ድማ ምስክር ወረቀትን ዝተውሃበ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን እዚ ድጋፍ ተጠናኺሩ ክቅፅልን ዘለዎ ንዘይብሉ ክተሓጋገዝን ከም ዘለዎ ተገሊፁ እዩ።

ብሃፍታይ ባህረ

Previous articleህያው ቃል ስውኣት ዋሕስ መንነት
Next articleብሰንኪ ክልኸላ ነዳዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክፍፋል ኣይከኣልኩን ኢሉ ትካል ምግቢ ዓለም፡፡