Home ዜና ልገሳ ደም

ልገሳ ደም

899
0

ሰራሕተኛታት ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ባንኪ ደም ትግራይ ጨንፈር ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ደም ለጊሶም፡፡

ኣብቲ ምልጋስ ደም ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኾኑ ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይን መምህር ዝናቡ ግደይን ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ንብርክት ዝበሉ እዋናት ደም እናለገሱ ከምዝመፁን ብተደጋጋሚ ኣብ ዝልግስሉ እዋን ድማ ዝበፅሖም ዝኾነ ዓይነት ጥዕናዊ ፀገም ከምዘየለን ገሊፆም፡፡ የግዳስ ደም ምልጋስ ዓብይ መንፈሳዊ ዕግበት ከም ዘለዎ ብምግላፅ ሕብረተሰብ ድማ ነዚ ተገንዚቡ ደም ብምልጋስ ህይወት ደቂሰባት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሰብኣዊ ሓላፍነቱ ክትግብር ይግባእ ኢሎም።

እቶም ሰራሕተኛታት ንሕና ኣብ ደጀን ኮይንና ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ ግንባር ይኳሻሕ ንዘሎ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ህዝብና ሰኣን ቀረብ ደም ኣብ ህይወቶም ክበፅሕ ንዝኽእል ሓደጋ ኣብ ምዕጋት ናትና ግደ ዓብይ እዩ ድሕሪ ምባል፤ መንእሰይ ወለዶ ኮነ ካልእ ክፋል ማሕበረሰብ ኣብ ምልጋስ ደም ንዘለው ዝተሰሓሓቱ ኣረኣእያን ኣመለኻኽታን ብምስትኽኻል ህይወት ወገናቶም ከድሕኑ ፀዊዖም።

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleህፁፅ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ንትግራይ
Next articleህያው ቃል ስውኣት ዋሕስ መንነት