Home ማሕበራዊ ሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

ሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ

639
0

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኣባል ቦርድ ማልት ኮይኖም ንዘገልገሉ ሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብዘፈር ሕርሻ ንዝገበሩዎ ምርምርን መፅናዕትን ሲዒቡ ንዝረኸብዎ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን መዓርግን መድረኽ ብምድላው እንኳዕ ደስ በለኩም ብምባል ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ኣበርኪታ።

ኣብቲ መድረኽ ኣፍልጦ ዝተረኸቡ ተወካሊ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር ሎሬት ሕርሻ ዓለም ኮይኖም ዝተሓረዩ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ካብ ምስረታ ዩኒቨርስቲ መቐለን እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንኽበፅሕን ኣርሓ ዩኒቨርሲቲ ንክኸውንን መሪሕ ግደ ዘበርከቱን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ምርምርን ዝተፈላለዩ ሓላፍነት ስራሕን ብዝነበሮም ልዑል ኣበርክቶ ዝረኸብዎ መዓርግን ሽልማትን መርኣያ ትግራዋይነት እዩ ኢሎም።

ሎሬት ሕርሻ ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብወገኖም ነቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተዳለወ መድረኽን ሽልማት ወረቐት ምስክርን ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ማልት ዘሎ ምሁር ተወላዲ ትግራይ ብምትሕብባር ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ህንፀት ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ውፅኢቶም ዓብይ ምንባሩ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ምሁራን ትግራይ ኣብ ፅላልን ድሌትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፅሊሎም ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ይሰርሑዎ ዘለዉ ስራሕቲ ዕድላት መፃኢት ትግራይ ብሩህ ክኸውን ዘኽእል ምዃኑ ዝገለፁ ሎሬት ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ኣብዚ መዳይ ብዘለዎም ክእለትን ፍልጠትን ምስርሖም ድማ ሓጎስ ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleሕሱም ድርቂ ምብራቕ ኣፍሪካ
Next articleምሕላው ምስጢር ኣብ ምዕዋት ቃልሲ