Home ዜና “ሓመድ እዩ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና” ተመዛባሊት ቃፍታ ሑመራ

“ሓመድ እዩ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና” ተመዛባሊት ቃፍታ ሑመራ

887
0

ስድራ ተመዛባሊት ወ/ሮ ለተስላሰ ሃ/ማርያም ጓጉኡን ሕጉኡን ብመከራ ዘተመልአ እዩ። ብሰንኪ ፋሽስታውያን ካብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ኣደባይ ተመዛቢለን ምስ ስድርአን ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ኣለዋ።

ወ/ሮ ለተስላስ ንባዕለን ምርኣይ ዝተሰኣነን ኮይነን በዓል እንድአን ካብ ሑመራ ምስ ምሉእ ጥዕነኦም መፂኦም ሕዚ ብሰንኪ ዓፀባ ኣካሎም ለሚሱ ብሓገዝ እዮም ዝለዓሉ። እታ ንእሽተይ ጓለ ድማ ብሕማም ሕዚ ኣብ ዓራት እያ ዘላ። ስድራ እዘን አዶ ፀገም መሊኡ ዝፈሰሶ እዩ። ምግቢ የለን፤ መድሓኒት የለን። ኣብ’ቲ ገዛ ብዘይካ ቃንዛን ጣዕሳን ካሊእ የለን።

ፀሓይ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ንቡር ቦትአ እናሃለወት፣ ሰማይ ሽረ እንዳስላሴ ከም ሃገሩ ድሙቅ ብርሃን እናበርሀ  ስድራ ወ/ሮ ለተስላስ ብቀትሩ ፀልሚትዎ ሕዚ ብሓለንጊ ዓፀቦ ይቅፅዑ አለዉ።

ወ/ሮ ለተስላስ ናብራን ህይወትን ከፊእወን ኣሎ፡፡ ከም ኣበሃህልአን “ፀሓይ ምእንቲ ባዕላ ትዓርብ ኣላ እነተንሕና ግና ሓመድ እዩ ዘይፈሰሰና እምበር ሞይትና ኢና” ክብላ ይገልፃ።                                             

ብጎይተኦም ተከሰተ

Previous articleጀኖሳይድ ትግራይ ዕላዊ ይኹን – ቮን ባተን ሞንታግው
Next article‘ብእሽሩሩ መዓንጣይ ሓሪሩ’ ወ/ሮ ማሚት ታደሰ