Home ዜና ሓሰኻ በለስ ዘጥፍእ ሓዱሽ ዝተምሃዘ ኬሚካል ዛጊድ ብዝተገበረ ፈተነ ዉፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ...

ሓሰኻ በለስ ዘጥፍእ ሓዱሽ ዝተምሃዘ ኬሚካል ዛጊድ ብዝተገበረ ፈተነ ዉፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ።

548
0

ብሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር እያሱ ኣብርሃ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ መድሓኒት ተነፂጉሉ ካብ ሓሰኻ ኩችንያ ኣብ ዝሓወየ በለስ ዕደት ኣሳሊጦም።ሓላፊት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወ/ሮ ሊያ ካሳን ሓላፊ ማሕበራዊ ስግግር ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ፕሮፌስር ክንድያን ዝተረኸቡ ኮይኖም እዚ ኣብ ብርኪ ፈተነ ዝርከብ ምህዞ ዝነኣድ ምዃኑን ነዚ ድማ ከም መንግስቲ ሓገዝቲ ክንከውን ኢና ኢሎም። ተኽሊ በለስ ብመንፅር ንህዝቢ ትግራይ ዝህቦ ረብሓ ተራእዩ ከም መንግስቲ ብለበዳ ሓሰኻ ኩችንያ ዝተጠቐዐ በለስ ትግራይ ንክሓዊ ዓብይ ትኹረት ተገይሩ ክስርሓሉ እዩ ኢሎም። ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ ብግዲኦም ነዚ ምርምር ዉፅኢታዊ ኮይኑ ዝሐመመ በለስ ትግራይ ንምሕዋይ ምስ ሰብ ሞያ ምርምር ሕርሻን መድረግቲ ኣካልን ብምዃን ክሳዕ መወዳእታ ክንሕግዝ ክንሰርሐሉ ኢና ኢሎም።

ተማራማርይ ገብረየሱስ በየነ ፈለማ ኣብ ምርምር ሕርሻ ትግራይ ፈተነ ኣካይድና ፅቡቕ ውፅኢት ስለዝተረኸቦ ሐዚ ድማ ናብ ሓረስታይ ወረድና ሰሪሕና ሐዚ እውን እቲ ጅማሮ ዝነኣድን ኣብ ዝሓመመ በለስ ርኡይ ለውጢ ተራእዩሉ ኣሎ ኢሉ።መ/ር ፅጋቡ መሓሪ ካብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ንተማራማራይ ገብረየሱስ ዝለዓለ ናእዳ ኣለኒ ሓሚሙ ዝነበር በለስ በቲ ምድሓኒት ክሓውየለይ ክኢሉ እዩ።በዓል ሞያ ሕርሻ እታ ወረዳ ወልደኪዳን ከላሊ እዚ ተማራማራይ ሕማም በለስ /ሓሰኻ ኩቺንያ/ ዘጥፍእ ኬሚካል ምሂዙ ኣምፂኡ ኣርእዩና ንፈተነ ድማ ኣብ ብሓሰኻ ኩችንያ ዝተጠቐዐ በለስ ፈቲንናዮ እቲ ኬሚካል ናብቲ በለስ ምስ ተነፀገ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ ይብል። እዚ ዉፅኢት ምርምር ንበለስ ዳግም ዘሐዊ ብምዃኑ ከም መንግስቲ ኣፍልጦ ተዋሂብዋ ናብ ኩሉ ሓረስታይ ክባፃሕ ይግባእ ድማ ኢሉ።#ኢያሱ በርሀ

Previous articleባንኪ ወጋገን ልዕሊ 1 ቢልዮን ቅርሺ ወፃኢ በምግባር በዓል 25 ደብሪታት ህንፃ ኣብ ከተማ መቐለ ንምህናፅ እምነ ሰረት ኣቐሚጡ።
Next articleሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ማይቅነጣል