Home ዜና ሓሰኻ ባርኖስ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ

ሓሰኻ ባርኖስ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ

535
0

ሓሰኻ ባርኖስ ኣብ ኩለን ጣብያታት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ 2495 ሄክታር ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

መቐለ፣ሰነ 02፣2015 (ኤመሓት) ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ካብ 22 ጉንበት ጀሚሩ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ባልዕ ባርኖስ ከምዘጋጠመን ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎን ምምሕዳር እታ ወረዳ ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዞባ ካብ 22 ጉንበት 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ከም ዝተርኣየን ዛጊድ ድማ ኣብ 11 ጣብያታት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ 2495 ሄክታር መሬት ብዕስለን ብንጣርን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ተዘራ ጌታሁን ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ዝራእቲ 6437 ገባራት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ከም ዝበፀሐ ዝገለፁ ኣይተ ተዘራ ነዚ ንምክልኻል ዛጊድ ኣብ ልዕሊ እቲ 2292 ሄ/ር መሬት ስራሕቲ ነፀጋ ኬሚካልን ጨፍጫፍን ከም ዝተኻየደ ሓቢሮም።

ህዝብን ምምሕዳርን እታ ወረዳ ንቲ ባልዕ ንምክልኻል ዝተዋደዱ ስራሕቲ ይስርሑ ከም ዘለው ዝሓበሩ እቶም ኣማሓዳሪ እንትኾነ ግና ሕፅረት መድሓኒት፣መሳርሒታት ነፀጋን ተሽከርከርትን ብምህላዉ ንሽፋን እቲ ባርኖስ ብቐሊሉ ንምቁፅፃር ከቢድ ከም ዝገበሮን ነዚ ንምፍታሕ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓገዝ ክገብር ድማ ፀዊዖም።

ብብርኪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ድማ እቲ ባልዕ ካብ 22 ጉንበት 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ከምዝተርኣየን ሕዚ ናብ 14 ጣብያታት እቲ ዞባ ከምዝተስፋሕፈሐን ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ከምዘሎን ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleኣዴታት ኣብ ልምዓት መስኖ
Next articleኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ