Home ዜና ሓበራዊ መግለፂ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን

ሓበራዊ መግለፂ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን

1316
0

ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ግልጋሎታት ክኽፈቱ ፀቕጢ ከምዝገብሩ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ገሊፆም፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመርን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣኔት ዌበርን ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ትግራይን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ሓበራዊ መግለፂ ኣውፂኦም፡፡

ቅልውላው ትግራይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ ህዝቢ ትግራይ ከም ባንኪ፣ ቴሌኮምኒኬሽን፣ ኤሌክትሪክን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ብቕልጡፍ ክረክብ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ነቶም መሰረታዊ ግልጋሎታት ዝፅግኑ ኪኢላታት ውሕስና ከምዝህቡ ንማሕበረሰብ ዓለም ግልፂ ምግባሮም ድማ መግለፂ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ዕላዊ ገይሩ፡፡ ግልጋሎታት ንምኽፋት ሕዚ ዕንቅፋት ዝኸውን ነገር ከምዘየለ መግለፂ ማይክ ሃመርን ኣኔት ዌበርን ኣፍሊጡ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ንክኣትው፣ ናብ ትግራይ ከይኣትው ተኸልኺሉ ዘሎ ነዳዲ፣ ጥረ ገንዘብን ዘመናዊ ድኹዒን ብዘይዕንቅፋት ክኣትው ከምዝግባእ እውን እቶም ፍሉያት ልኡኻት ኣፅንኦት ሂቦምሉ፡፡

ገበነኛታት ተሓተቲ ንክኾኑ ትኹረት ክግበረሉ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ እቲ ሓበራዊ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድ ንምፅራይ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጣየሸ ኮሚሽን ጉጅለ መፅናዕቲ እቶም ገበናት ንምፅራይ ተኣማኒ መረዳእታ ክእክብ ከምዝግባእ ድማ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ንኲናት ዘለዓዕሉ ፅልኢታዊ ዘረባታት ካብ ምግዋሕ ክቑጠቡ እውን ፀዊዑ፡፡

Previous articleፀገም ተመዛበልቲ ጉድኣት ኣካል
Next articleሓደሽ መረዳእታታት ግፍዒ