Home ዜና ሓባሲ ዝሰኣነ ንብዓት

ሓባሲ ዝሰኣነ ንብዓት

1064
0

ኣይተ ተክላይ መኮነን ምእንተ ፍትሕን ማዕርነትን ዓይኖም ዝሰኣኑ ነባር ተጋዳለይ እዮም፡፡ ኣብ ከተማ ዳንሻ ንዓመታት ዘጥረይዎ ሃፍትን ጥሪትን ብጉጅለ ፋኖ ተወሪሮም  ህይወቶም ከድሕኑ ብብዙሕ  ሓሳረ መከራ ናብ ሽረ እንዳስላሴ ዝኣተዉ ተመዛባሊ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እዮም።

ሕዚ ህይወት ንኣይተ ተክላይ ልዕሊ ዓቅሞም ኮይኑ ኣሎ። ህፃን ወዶም ብሰንኪ ዓፀቦ ሓሚሙ ኣብ ዓራት ደቂሱ እዩ ዘሎ። ኣብ’ታ ብኬነዳ ዝተሰርሐት ግዝያዊ መዕቆቢ ገዝኦም ትብላዕ ትለሓስ የላን። ሸክሚ እታ ስድራ ኣብ እንግድዓ ጓሎም ኮይኑ ኣሎ። እዛ ንእስቲ ኣቦኣ ክትሕብሕብ፣ ሓዋ ክትከናከን ህይወት ከቢድዋ ኣሎ። ንእሽተይ ሓዋ ብሰንኪ ጥሜት ነብሱ ወዲኡ ኣብ ኣካሉ ሽሑርን ቈስልን ወፂእዎ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ይሳቀ ኣሎ።

ሓላፍነት ኣቦኣን ሓዋን ዝተሸከመት እዛ ንእስቲ ሓዋ “ጠምዩኒ እንጀራ” እንትብል ዝብላዕ የብላን “ሓሚመ” እንትብላ ሕክምና ከይዳ መድሓነት የለን፤ ቛሕ እንተበለት ሰማይ ቛሕ እንተበለት ምድሪ ኮይንዋ ካብ ብክያትን ንብዓትን ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የብላን። ህይወት እዞም ስድራ ኣብ ፀልማት ኣሎ።

ብጎይተኦም ተከስተ

Previous article“ዝተወረረ 30 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ሃፍተይ ፅባሕ ከጥርዮ እየ፤ ፀላእተይ ከጥፍእ ድማ ይቃለስ አለኩ” ተመዛባሊ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ደስታ ተክሉ
Next articleኪነ ጥበብ ትግራይን ምዕቃብ ታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይን