Home ዜና ሓንካሪ ተግባራት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ

ሓንካሪ ተግባራት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ

906
0

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ሕዚ እውን ንመስርሕ ሰላም ዘዐንቕፍ ቀይዲ በተኽ ተግባራቱ ኣትሪሩ ቐፂሉሉ ይርከብ ከም ኣገላልፃ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፡፡

ኣባል ሴንተራል ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንጉዳይ ሓንካሪ ተግባራት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣመልኪቶም ኣብ ዋኒን ድሕረ ገፆም ሓደ  ፅሑፍ ኣስፊሮም ኣለው፡፡

ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብውጥን መንገዲ ናብ #ትግራይ ዑደት ስራሕ ክፍፅሙ ንዝሃቀኑን ንዝተበገሱን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረዱ ሰበ-ስልጣናት እቲ ጉጅለ ከምዝከልከልዎም ኣገንዚቦም ፡፡

ካብቶም ንትግራይ ከይገሹ ዝተኣገዱ ኣካላት ድማ ኣብ ጉዳይ #ኢትዮጵያ መርምራ ከካይዱ ዝተመዘዙ ላዕለዎት ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፉሉያት ሉኡኻት ሓያላት ሃገራትን እንኮላይ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ኣሜሪካ ዝርከብዎም ኣምባሳዳራትን ዲፕሎማትን ዝተፈላለያ ሃገራትን እዮም፡፡  

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ሕዚ እውን ናብ ትግራይ ነዳዲ ከይኣትው ዓንቂፁ እንተብቕዕ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣትው ከምዘሎ ኣብ ምድስኳር ከምዝርከብ  ዝገልፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ በቲ ካልእ ወገን ድማ መሰረታዊ ግልጋሎታት ዳግም ስርሖም ክጅምሩ ምዃኖም ንመዳርግቲ ኣካላት ቃል ኣትዩ ክነሱ ከምዝጠለመ ኣነፂሮም ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleሓድነትና ንመኸተ ፀላእትና
Next articleክልከላ ጉዕዞ ስፓኛዊት ፓውላ ጊል