Home ዜና ሓደሽቲ ተመረቕቲ ኣባላት ፖሊስ ትግራይ፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ

ሓደሽቲ ተመረቕቲ ኣባላት ፖሊስ ትግራይ፣ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ

2791
0

ሰላም፣ ፀጥታን ድሐንነትን ትግራይ ዝዘርግ ኣካል ፍፁም ተቐባልነት የብሉን፡፡ ፋሽሽታውያን ወረርትን ተስፋሕፋሕተን ሓይልታትን ኮነ ኢሎም ስርዓት ፍትሒ ትግራይ ብምዝባዕ ህዝቢ ትግራይ ብዘይኣላይ ተሪፍ ዓርሱ ንዓርሱ ክባላዕ ንምግባር ኣብ ልዕሊ ትካላት ፍትሒ ትግራይ ሙሉእ ዕንወት ክፍፅሙ ኪኢሎም እዮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ገለ ዕሱባት ባንዳታትን ጓሓሉን ማዕረ ማዕረ ተግባር ፀላእቲ መረባ ጀጋኑ ንምዕናው እንትንቀሳቀስ ይረኣዩ ብምህላዎም ነዚ ምፅራይ ገዛ-ዕዮ ሎሚ እዩ። ክብላ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቃ ሓደሽቲ ኣባላት ፖሊሲ ዝተረኸባ ምክትል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ገሊፀን፡፡

ድርብ ልኡኽን ዓቕምን ወኒኖም ከምዝተመረቑ ዝገለፃ ምክትል ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ሓደሽቲ ተመረቅቲ ኣባላት ፖሊስ ትግራይ ኣብ ቅድመ ግምባር ዝፈፀምዎ ጅግንነት ብልዑል ፅንዓት ብምፍፃም ትግራይ ብውሽጥን ደገን ብምፅራይ ሙሉእ ድሕንነት ትግራይ ብምውሓስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንዝህቦም ኩሉ ዓይነት ልኡኽ ንምፍፃም ኣብ ዝኾነ ግዜን ኣጋጣምን ድልዋት ክኾኑ ይግባእ ኢለን፡፡

ኣንፃር ፋሽሽታውን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ብደጀንን ግምባርን ተኣሳሲሩ ዝገብሮ ጉዕዞ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኸውን ስላም ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ዝዘርግ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍፁም ቦታን ተቐባልነትን የብሉን ዝበሉ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ይሕደጎ ስዩም እዮም፡፡

ብሙስጦፋ ጡሃ

Previous articleግደ ሙሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ
Next articleኢዶም ዝሃቡ ሰራዊት ኤርትራ