Home ዜና ሓደሽ መረዳእታታት ግፍዒ

ሓደሽ መረዳእታታት ግፍዒ

982
0

—-

ኣብ ምዕራብን ካልኦት ከባቢታትን #ትግራይ ብሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ሰራዊት ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን  ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ሓደሽቲ መረዳእታታት ፆታዊ ዓመፅ፣ ጅምላዊ ማእሰርትን ጨፍጫፋትን ከምዝተረኸቡ ግሎብ ኤንድ ሜይል ፀብፂቡ  ፡፡

እዞም ሓደሽቲ መረዳእታ ድማ ድሕሪ እቲ ዝተጣየሸ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ #ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ምምላሱ ቅድሚ ሕዚ  ብኣካል ምፅራይ ዘይተገበረሎም ቦታታትን ከም ምዕራብ ትግራይ ዝበሉ ድማ ብምድንጋር ምፅራይ ዝተዳህሰሱ ከባቢታትን ዓሚቅ ምፅራይ  ክገብሩን፤ ነቲ ዓለም ለኸ ትካል መፃረይ ኮሚሽን ዘይተገደበን ናብቶም ግፍዒ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ብኣካል ተረኺቡ ንምፅራይ ፀቅጢ ዝፈጥር ኩነታት ኮይኑ ኣሎ  ከምዘሎ ፀብፃብ ግሎብ ኤንድ ሜይል ኣፍሊጡ፡፡

Previous articleሓበራዊ መግለፂ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን
Next articleማንታ ፀጋ ማንታ ፀገም