Home ዜና ሓደጋ ዘንፀላለዎ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፅብኦ – ብሉምበርግ

ሓደጋ ዘንፀላለዎ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፅብኦ – ብሉምበርግ

ድሕሪ እቲ ብመንግስቲ ትግራይን #ስርዓት ኣብይን ዝተገበረ ኣብ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድሃበ ምትእምማን ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ሓይልታት ፋሽሽቲ ናብ ደቡባዊ ዶብ #ትግራይ ከምዝተፀግዑ ተሓቢሩ፡፡ ከም ሓበሬታ ማዕኸን #ዜና ብሉምበርግ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ወትሃደራት ዝፀዓና 32 ኣውቶቡሳት ብሸነኽ ስግር ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቆቦ ከምዝተራእዩን ገሊኦም ነቶም ቅድሚ ሕዚ ኣብ’ቲ ቦታ ዝዓረዱ ወተሃደራት ዝትክኡ ከምዝኾኑን ንከንቲባ እታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡፡ ህዝቢ ይኹን #መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንስምምዕነት #ፃብኦ ደው ምባል ከምዘይተቐበልዎ ዝገለፁ ከንቲባ ከተማ ቆቦ ኣዲሱ ወዳጆ፣ ወታሃደራት ፌደራል ካብ’ቲ ቦታ እንተወፂኦም ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ኢና ዝብል ስግኣት ስለዘለዎም ሓይልታት ተስፋሕፋሕቲ #ኣምሓራ ኣብ’ቲ ከባቢ ክዕርዱ ከምዝተገብረ ገሊፆምለይ ይብል ብሉምበርግ፡፡ ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ምፍርራስ ድሒና ኣብ #ማዕበል ዘላቒ ሰላም ክትሕንበብ እንተኾይና ብደም ንፁሃን ወገናት ኢዱ ዝጠልቐየ ዕሉል መላኺ ኢሳይያ ካብ ጉዳይ ውሽጣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብህፁፅ ኢዱ ክስሕብን ከምኡ እውን ገበቲ #ሓይልታት ኣምሓራ ብኩሉ ሸነኽ ዝገብርዎ ዘለው ደማዊ ተኩታኲ ተግባራት ደው ከብሉን ምስ ዝግበር ጥራይ ምዃኑ ዞባውን ዓለምለኻውን ተንተንቲ ፖለቲካ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ዘለው ሓቂ እዩ፡፡ ብፀጋይ መኮነን

1065
0
Previous articleምድራዊ ሲኦልን ሰብኣዊ ሓልዮትን
Next articleቀዳማይ ወፍሪ ምጥፋእ ብሄር (ጀኖሳይድ ትግራይ)