Home ዜና ሓደጋ ዘንፀላለዎ ተስፋ ሰላም

ሓደጋ ዘንፀላለዎ ተስፋ ሰላም

1213
0

ተስፋ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ፅልግልግ ከም ዝኣተወ ዘ-ጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡
ብስርዓት ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ተቐባልነት ረኺቡ ዝነበረ ተስፋ ሰላም ግዚያዊ ተኹሲ ደው ምባል፤ ፋሽስታውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትዕንቓፍን መሬት ብምግባትን ካብ ፅልግልግ ከም ዘይወፀ ጋዜጣ ዘጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡
ስርዓት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ኣመልኪቱ ንዘውፀኦ ፃውዒት ተፃብኦ ደው ምባል፤ መንግስቲ ትግራይ ከም ዝቕበሎ ምግላፁ ስዒቡ ማሕበረሰብ ዓለም ልዑል ተስፋ ኣንቢርሉ ምንባሩ ዝሓበረ ዘ-ጋርዲያን፤ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝን ገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዘይምውፀኦምን ግና ተስፋ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖ ገሊፁ፡፡
ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ወራር ጀኖሳይድ ካብ ዝፍፅም ኣትሒዙ፤ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ተወለድቲ ትግራይ ብኲናት ብሰንኪ ስእነት ምግብን መድሓኒትን ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም እዮም ዝበለ ፀብፃብ ዘጋርዲያን፤ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን ከይተረፈ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዝ ምትዕንቓፉ ነቲ ተስፋ ዝተነበረሉ ጉዳይ ሰላም የፀልምቶ ኣሎ ኢሉ፡፡
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘውፀኦ መዓልታዊ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ናይ ምእታው ትልሚ፤ ብጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ይተዓናቐፍ ኣሎ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፤ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ምዕባለ እውን ካብቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዘውፀኦ ትልሚ ሓደ ሚኢታዊ እኳ ዘይኣክል ምዃኑ ገሊፁ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝቐረበሉ ፃውዒት ተፃብኦ ደው ምባል አወንታዊ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፤ ኣብ ጥሜት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብእዋኑን በቲ ዝድለ መጠንን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበፅሖ እንተኾይኑ ዝብል ቅድመ-ኩነት ኣንቢሩ ምንባሩ ዝሓበረ ዘጋርዲያን፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግና ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምድርዳር ናብ ተግባራዊ ስራሕ ከም ዘይኣተወ ገሊፁ፡፡
ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ምስ መንግስቲ ትግራይ ጊዚያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን እንታይ ዓይነት ግበረ-መልሲ ከም ዝረኸበ ኣይተፈለጠን ዝበለ ፀብፃብ ዘጋርዲያን፤ ኲናት ትግራይ ንኽጋደድን ሰላማዊ ዘተ ከይህሉን ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ዘለዉ ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብቲ ጉጅለ ዘለዎም ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን ኢሉ፡፡
ካብ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ምባል ሓሊፉ ናብ ዘላቒ ሰላም ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድሌት ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራን፤ እቲ ንህላውኡ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ፀብፃብ፤ ምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ ኣምሓራ ድማ ቀንዲ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ብምግላፅ፤ ቅድሚ ኩሉ ግና ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝጠልብ ህዝቢ ትግራይ ክበፅሕ ዝግባእ ሓገዝ ጊዜ ክወሃቦ የብሉን ኢሉ፡፡
ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleምጅማር ስራሕ ጥምረት ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መስል ሲቪክ ማሕበራት ትግራይ
Next articleብሰንኪ ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ትበታተን ኣላ፡፡