Home ዜና ሓዳሽ ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ኬኣሪ ቤቲ

ሓዳሽ ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ኬኣሪ ቤቲ

1033
0

ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሚስ ኬኣሪ ቤቲ  ሓዳሽ ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ኮይነን ክመርሓ ሓሪወን፡፡

እዚ ዝኾነሉ ድማ እተን ቅድሚአን ተሸይመን ዝነበራ  ኣዶ መንበር ፋቱ ቦንሶዱ ላዕለወይቲ ተፀዋዒት #ጋምብያ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኮይነን ብሃገረን ስለዝተሾማ ፕረዚደንት ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣርጀንቲናዊ ኣምባሳደር ፌደሪኮ ቪለጋዝ ድማ ንኬንያዊት ምህርቲ ሕጊ ሚስ ኬኣሪ ቤቲ  ኣዶ መንበር ኮሚሽን ምፅራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ኮይነን ክመርሓ ከምዝሓረየን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ፡፡

ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኩለንተናዊ ግፍዕታትን ዘፃሪ ጉጅለ መርማሪ ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዘጣየሸ ኮይኑ ነቲ ኮምሽን ንክመርሑ ድማ ንጋምብያዊት ፋቱ ቦንሶዱ፣ ንኬንያዊት ኬኣሪ ቤቲን ንኣሜሪካዊ ስቴቨን ራትነርን ከምዝመዘዞም ይፍለጥ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣቐባሊ ቃል  ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ዲና ሙፍቲ ብሕቡራት መንግስታት ንዝተጣየሸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል  ተቐባልነት የብሉን ክብል ክሳብ ሕዚ ነቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዘይሻራዊ  መፃረይ ኣካል ንክኣትው ብተደጋጋሚ ዝግበር ዝነበረ ፃዊዒት ሕዚ እውን ምንፃጉ  እዚ ጉጅለ ፋሽስት ድሌት ሰላም ዘይብሉን ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ቅሩብ ምዃኑን ከምዘመላኽት ብዙሓት ዝምስክርሉ ሓቂ  ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብወይኣንተ ቡዙነህ

Previous articleቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ
Next article1ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)