Home ዜና ሓድነትና ንመኸተ ፀላእትና

ሓድነትና ንመኸተ ፀላእትና

1053
0

—-

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደ ዕላማ ፀኒዑ ከጥፍእዎ ንዝመፁ ፀላእቱ ብዘይኣፈላላይ ብሓድነቱ ኣስጢሙ እናመከተ መፂኡ እዩ፡፡ ሕዚ እውን እንተኾነ ፀላእቲ እንተኾይንሎም ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ እንተዘይኾይኑ ድማ ኣጀንዳ ቀሪፆም ሓድነቱ ንምሽርራፍ ላሕ ንዝብሉ ፀላእቲ እዝኒ ከይሃበ ከምቀደሙ ክምክቶ ከምዝግባእ ነበርቲ ከተማ መቐለ ተዛሪቦም፡፡

ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ፀላእቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝመፁ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ እዚ ንምፍሻል ድማ መንግስቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብግልፅነት ንህዝቢ ዕላዊ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ፈተና ህልውና ንምውፃእ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ተዋዲዶምን ተናቢቦምን ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከይዲ ድርድር ሰላም ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ብምግባር ንምምራሕ ጥቡቕ ክትትል ይግበረሉ ምህላውን ሕዚ እውን መኸተና ብዓወት ብምዝዛም ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ምዃኑ ምግላፆም ይዝከር፡፡

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleግብፅን ሶማልያን ንኢትዮጵያ ኮኒነን
Next articleሓንካሪ ተግባራት ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ