Home ማሕበራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ

ሓድነት ህዝቢ ትግራይ

890
0

ሓድነትና ኣስጢምና ኩሎም ፀገማት ክንሰግሮም ኢና ክብሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ከተማ መቐለ ሓቢሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት  ኣብ ትግራይ  ኣጋጢሙ  ዘሎ ፀገም  ንምስጋር  ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብሓድነት ክቃለስን ክተሓጋገዝን ከም ዝግባእ  ማሕበረሰብ ሙስሊም  ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም፡፡

ኣብ  ፆመ ረመዳን ዘሎ ማሕበረሰብ ሙስሊም  ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋን ዓፀቦን  ይፅገም እኳ እንተሃለወ  ከምቲ እምነት ዝእዝዞ ብምትሕልላይን ምትሕግጋዝን  ይሰግሮ ከምዘሎ ዘዛራረብናዮም ማሕበረሰብ ሙስሊም ከተማ መቐለ ገሊፆም፡፡

ትግራይ  ኣብ ሙሉእ ክባን ዕፅዋን ኣትያ ኣብ ፀልማት ኣላ ዝበሉ እቶም ነበርቲ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ተወላዲ ትግራይ  ካብዚ ፀገም ወፂእና ሙሉእ ብርሃንን ዓወትን ንምጭባጥ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ብዝለዓለ ሓድነትን ውዳበን ክቃለስ  ከም ዝግባእ ተዛሪቦም፡

ኣብ ደገ ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ ዝግብርዎ ዘለው ተከታታሊ ሓገዝን ቃልስን ዝነኣዱ ማሕበረሰብ  ሙሊም ከተማ መቐለ እዛ ፀባብ እዋን ክሳዕ ትሓልፍ ሕዚ እውን ሓፂናዊ ሓድነት ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ፋሽስታውያን ኣደብ ክገብሩን ዘይተገደበ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ድማ እቶም ነበርቲ ፀዊዖም፡፡                           

 ብጎይተኦም ተከስተ

Previous articleምቁራፅ ግልጋሎት ምግብና
Next articleፃውዒት ሓይልታት መሰል ዓርሰ ውሳነ