Home ማሕበራዊ ሓድነት ህዝብታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣገውን

ሓድነት ህዝብታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣገውን

1050
0

ፋሽሽታውያን ንምጥፋእ ብሓድነት ክንቃለስ ኢና፡፡ህዝብታት ትግራይ ዓፋርን ኣገውን ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመታት ደርጊ ንምድምሳስ ዝፈጠርዎ ሓበራዊ ቃልሲ ሎሚ እውን መሰል ዓርሰ ውሳነ ታሪኽን መንነትን ብሓይሊ ንምምንጣል መዝረ ኣሰሊፎም ንዝወፈሩ ፋሽሽታውያን ንምጥፋእ ብዝለዓለ ሓድነት ክቃለሱ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋርን ውድብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኣገውን ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ብሓባር ኣብ ዘሳለጥዎ መድረኽ እዩ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ ዘረባ ዘስምዑ ኣቦ ወንበር ውድብ ምንቅስቃስ ኣገው ኣይተ ኪሮስ ኣምሃ ሓይልታት ትምክሕትን ኣሃዳውያንን ካብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ወፃኢ ህዝቢ ብሓይሊ መሰሉን ነፃነቱን ብምዕፋን ክስኮን ይገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ሽርሕን ቃልስን ብምምካን ህዝቢታት ትግራይ፣ዓፋርን ኣገውን ግንባር ፈጢሮም ከም ልማዶም ታሪኽ ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣቦ ወንበር ሓይልታት ፌደራሊስት ዓፋር ሓጂ ስዮም ኣወል ብወገኖም ፋሽሽታውያን ኣሃዳውያንን ርክብ ህዝብታት ትግራይ ዓፋርን ኣገውን ንምሽርሻር ዘካይድዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ብሓባር ክንቃለሶ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብቲ ተሳለጠ ዋዕላ ተወከልቲ እተን ውድባት፣ ካብ ሰለስቲኡ ህዝብታት ተወከሉ ምሁራንን ተሳተፍትን ዝተረኸቡ እንትኾን ክልተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም ተዘቲሎም እዩ፡፡

ብጎይተኦም ተኸስተ

Previous articleቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ሪፖርት
Next article“ፋኖ ዕጥቁ ይፍታሕ! ” ለበዋ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል